ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ...

12
መበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ዓርቢ ሃማደኤ ጨንፈር ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ “ውዳበ ሓይሊ’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ10 ግንቦት መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ንቅያን ታሪኽን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን ምውሓስ ልኡላውነትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ ተጠርኒፈን ንዘጋጥመን ጸገማት ምስ ኤምባሲ ተወሃሂደን ፍታሕ ንኽናደየሉ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ፡ እዚ መስራቲ ዋዕላ ድማ ውጽኢቱ ናቱ ከምዝኾነ ሓቢሩ። “ኣብ ተኣፋፊ ዝኾነ ከባቢ፡ ሽግራት ብተናጸል ኣይውገድን’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ውዳበ ሓይሊ ምዃኑ ኣሚነን ኣብ ማሕበር ክጥርነፋን ንዘጋጥመን ጸገማት ብሓባር ክፈትሓን ብምዝኽኻር፡ ምምስራት ናይ’ቲ ማሕበር ኣብ ምእላይ ሽግራተን ዝህልዎ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ። ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ደቂ-ሰብ ተወዲቦምን ተወሃሂዶምን ምስ ዝሰርሑ፡ ንኩሉ ዘጋጥሞም ብድሆታት ብምስዓር ኣብ ዝደለይዎ ዕላማ ክበጽሑ ከምዘየጸግሞም ብምሕባር፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ጥርናፈአን ኣሐዪለን ጉዳያተን ብቐሊሉ ክፈትሓ ተላብዮም። ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፡ ኣብ ዕላማአን ጸኒዐንን ዘስደደን ጉዳይ ኣብ ከተማ ናንትን ከባቢኣን - ፈረንሳ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም። ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ኣምባሳደር ኣብ ከተማ ናንት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርን መደባት 2015ን ብመንጽር ተሳታፍነት ዜጋታት ብዝምልከት ብ9 ግንቦት ኣብ ዘካየደቶ ሰሚናር’ዩ። ኣምባሳደር ሃና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብውፉይ ተሳትፎ ህዝብን መንግስትን ንዝተሰላሰለ መደባት ልምዓትን ዝተመዝገበ ዓወታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ 2015 ክዕመሙ ዝተወጠኑ መደባት ዝምልከት መግለጺ ሂባ። ‘‘ስሙር መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሉ ኣንጻር ዕቤትን ምዕባለን ኤርትራ ዘነጻጸረ ተጻብኦታት ኣላሽ ኣቢልዎ’ዩ’’ ዝበለት ኣምባሳደር ሃና፡ ንዝበለጸ ውጽኢት -ኤርትራውያን ነበርቲ ፈረንሳ ጥርናፈኦምን ውዳቤኦምን ብምሕያል ኣበርክቶኦም ክብ ከብሉ ኣዘኻኺራ። ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ልኡላውነታ ዝተሓለወ ብልጽግቲ ኤርትራ ንምህናጽ ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን፡ ምስ ወከልቲ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ኣንዠን ሾሌን ብምርኻብ፡ ውዳቤታቶም ብዛዕባ ዘሐይሉሉ ኣገባብ ድሕሪ ምዝታይ፡ ምስ ኤምባሲ ብምትሕግጋዝን ክሰርሑሉ ብዛዕባ ዝኽእሉ ኩነታት ርእይቶኣ ከምዝለገሰት፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ወከልቲ ድማ፡ ምስቲ ብደረጃ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ኤርትራዊ ውዳቤታትን ንጥፈታትን ተወሃሂዶም ንጥፈታቶም ዝያዳ ከምዘሐይሉ ኣነጺሮም። ገጽ 3 ኣለና፡ ሳላ ዝተጸመምና! ገጽ 4 ዘይምኽፋል ግብሪ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣለዎ? ገጽ 5 መንግስ - እቲ ደፋር ሲናይ ገጽ 11 ጁቬ ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ… ትጽቢት ኤልክላሲኮ ቅሂሙ ገጽ 9 ናጽነት ደቀንስትዮ ደቅና ሓበሬታ ብዛዕባ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ከም ወትሩ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ከተካይድ መዲባ’ላ። እቲ 16 ሕቶታት ዘጠቓልል ውድድር፡ ኣብ ክልተ መዓልታት ማለት ቀዳምን ሰንበትን ተኸፊሉ ክቐርብ’ዩ። ስለዚ ኩሉኹም ኣንበብቲ ክትሳተፉን ወነንቲ ናይቲ ተዳልዩ ዘሎ ምቕሉል ሽልማት ክትኮኑን ትዕደሙ። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብግቡእ ተገንዚበን ጸገማተን ብሓባር ክፈትሓ ምዃነን ድሕሪ ምግላጽ፡ 5 ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል መሪጸን። ***

Upload: others

Post on 15-Apr-2020

34 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

መበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ዓርቢ

²Ãö 3

²Ãö 3

ሃማደኤ ጨንፈር ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ “ውዳበ ሓይሊ’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ10 ግንቦት መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ።ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ

ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ንቅያን ታሪኽን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን ምውሓስ ልኡላውነትን ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ኣብ ማሕበር

ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ

ተጠርኒፈን ንዘጋጥመን ጸገማት ምስ ኤምባሲ ተወሃሂደን ፍታሕ ንኽናደየሉ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐ፡ እዚ መስራቲ ዋዕላ ድማ ውጽኢቱ ናቱ ከምዝኾነ ሓቢሩ።“ኣብ ተኣፋፊ ዝኾነ ከባቢ፡ ሽግራት

ብተናጸል ኣይውገድን’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ውዳበ ሓይሊ ምዃኑ ኣሚነን ኣብ ማሕበር ክጥርነፋን ንዘጋጥመን ጸገማት ብሓባር ክፈትሓን ብምዝኽኻር፡ ምምስራት ናይ’ቲ ማሕበር ኣብ

ምእላይ ሽግራተን ዝህልዎ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡

ደቂ-ሰብ ተወዲቦምን ተወሃሂዶምን ምስ ዝሰርሑ፡ ንኩሉ ዘጋጥሞም ብድሆታት ብምስዓር ኣብ ዝደለይዎ ዕላማ ክበጽሑ ከምዘየጸግሞም ብምሕባር፡ ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ጥርናፈአን ኣሐዪለን ጉዳያተን ብቐሊሉ ክፈትሓ ተላብዮም።ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፡ ኣብ

ዕላማአን ጸኒዐንን ዘስደደን ጉዳይ

ኣብ ከተማ ናንትን ከባቢኣን - ፈረንሳ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ኣምባሳደር

ኣብ ከተማ ናንት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም

ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርን መደባት 2015ን ብመንጽር ተሳታፍነት ዜጋታት ብዝምልከት ብ9 ግንቦት ኣብ ዘካየደቶ ሰሚናር’ዩ።

ኣምባሳደር ሃና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብውፉይ ተሳትፎ ህዝብን መንግስትን ንዝተሰላሰለ መደባት ልምዓትን ዝተመዝገበ ዓወታትን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ 2015

ክዕመሙ ዝተወጠኑ መደባት ዝምልከት መግለጺ ሂባ።‘‘ስሙር መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፡

ንኹሉ ኣንጻር ዕቤትን ምዕባለን ኤርትራ ዘነጻጸረ ተጻብኦታት ኣላሽ ኣቢልዎ’ዩ’’

ዝበለት ኣምባሳደር ሃና፡ ንዝበለጸ ውጽኢት -ኤርትራውያን ነበርቲ ፈረንሳ ጥርናፈኦምን ውዳቤኦምን ብምሕያል ኣበርክቶኦም ክብ ከብሉ ኣዘኻኺራ።ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ልኡላውነታ

ዝተሓለወ ብልጽግቲ ኤርትራ ንምህናጽ ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ሃና

ስምኦን፡ ምስ ወከልቲ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት ኣንዠን ሾሌን ብምርኻብ፡ ውዳቤታቶም ብዛዕባ ዘሐይሉሉ ኣገባብ ድሕሪ ምዝታይ፡ ምስ ኤምባሲ ብምትሕግጋዝን ክሰርሑሉ ብዛዕባ ዝኽእሉ ኩነታት ርእይቶኣ ከምዝለገሰት፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቶም ወከልቲ ድማ፡ ምስቲ ብደረጃ

ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ኤርትራዊ ውዳቤታትን ንጥፈታትን ተወሃሂዶም ንጥፈታቶም ዝያዳ ከምዘሐይሉ ኣነጺሮም።

ገጽ 3

ኣለና፡ ሳላ ዝተጸመምና! ገጽ 4

ዘይምኽፋል ግብሪ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት

ኣለዎ?

ገጽ 5

መንግስ - እቲ ደፋር ሲናይ

ገጽ 11ጁቬ ናብ ግጥም

ፍጻመ ሓሊፋ… ትጽቢት ኤልክላሲኮ ቅሂሙ

ገጽ 9

ናጽነት ደቀንስትዮ ደቅና

ሓበሬታ ብዛዕባ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠትጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ከም ወትሩ

ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ከተካይድ መዲባ’ላ። እቲ 16 ሕቶታት ዘጠቓልል ውድድር፡ ኣብ ክልተ መዓልታት ማለት ቀዳምን ሰንበትን ተኸፊሉ ክቐርብ’ዩ። ስለዚ ኩሉኹም ኣንበብቲ ክትሳተፉን ወነንቲ ናይቲ ተዳልዩ ዘሎ ምቕሉል ሽልማት ክትኮኑን ትዕደሙ።

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ

ብግቡእ ተገንዚበን ጸገማተን ብሓባር ክፈትሓ ምዃነን ድሕሪ ምግላጽ፡ 5

ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካል መሪጸን።

***

Page 2: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ንምድላዋት መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ብዝምልከት ቅድሚ ትማሊ ኣጋ ምሸት ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ቃለ-መሕትት ኣካዪዱ ነይሩ። ጽማቝ ትሕዝቶኡ እነሆ፦

ኣምባሳደር ዘመደ፡ እንቋዕ ደሓን መጻእካ! እንቋዕ ናብ መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነትና ድማ ኣብቃዓና!

የሕቢሩ።

መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ብድምቀት ንምጽንባል ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝግበር ዘሎ ምድላዋት እንታይ ከምዝመስልዶ ክትገልጸልና?

መበል 24 ዓመት ጽምብል ናይ’ቲ ዝኸበረ ዋጋ ዝሓተተ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና ኣለና። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ከኣ ብዝበለጸ ንኸብዕሎ ካብ ነዊሕ ኣዋርሕ ዝጀመረ ምቅርራባት የካይድ ኣሎ። ኣስመራ እንተ ርኢና ነቲ ካብ ዕለት 12 (ግንቦት) ጀሚሩ ዝቕጽል መደብ ንምስልሳል፡ ዝምልከቶ ኣካል ስርሑ የማልእ ኣሎ። ምድላዋት እዚ ጽምብል ሓደ ቴክኒካል ኮሚተ እዩ ዝኣልዮ። ቀጻሊ ኣኼባታት ብምግባር እቲ ክትግበር ዘለዎ መምርሒታትን መደባትን ናብ ዘዝምልከቶ ይኸይድ። እዚ ኮሚተ ናይ ኩላተን ኣካላት መንግስቲ ወከልቲ ዘለዎ ኰይኑ፡ ናይ ዜና፡ ምረሻ ሰራዊት፡ ሃ.ማ.ደ.ኤ.፡ ማሕበር መንእሰያት. . . ዝኣመሰላ ኣካላት፡ ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዞም ምስ’ቲ ቴክኒካል ኮሚተ እናተወሃሃዱ ስራሓቶም ከወሃህዱ ጸኒሖም። ንኣብነት ናይ ዞባ ማእከል ቴክኒካዊ ኮሚተ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዝግበር ኩሉ ምቅርራባት የተግብር። ብሓፈሻ ክረአ ከሎ ኣብ ዞባ ማእከል ዝትግበር መደባት እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ’ዩ። መደባት መዓልቲ ናጽነት ንኹሉ ሃገር ዘሳትፍ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣካላት እናተረዳዳእና ኣብ ግብሪ ክውዕል ጸኒሑ። እዚ ኩሉ ስራሓት ተኣኪቡ ከኣ ኣብ ምድማቕ በዓልና ክውዕል እዩ። ብዝመደብናዮ ግዜ ይኸይድ ኣሎ ክንብል

ከኣ ንኽእል። ኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ቅነ ናጽነት ካብ

ዕለት 15 (ግንቦት) እዩ ክጅምር። ንኣብነት ኣብ ዞባ ማእከል ብህጻናትን ዓበይቲን ተመሃሮ ናይ ኩላተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተዳለወ ነዚ በዓል ዝበቅዕ መደባት ተወዲኡስ ኣብ ዕለቱ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ይጽበ ኣሎ። ካብ ዕለት 15 ክሳብ ዕለት 19 ግንቦት ዝቕጽል ዝተፈላለየ ናይ ጎደናታት ምርኢት ኣሎ። እቲ መደባት ገሊኡ እናተተኻኽአ ገሊኡ ድማ ኣብ ሓደ እዋን እናተተግበረ ክቕጽል እዩ። ኣብ ዕለት 17 ግንቦት ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዓቢ ‘ኮንሰርት’ ኣሎ። ካብ 18-21 ስነ ጥበባዊ ምርኢታት ኣብ ሲነማ ኣስመራን ሮማን ክረአ እዩ። ዕለት 22 ዝረአ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ንኽዕዘቦ ዕድል ዝህብን ስራሓት ስነ-ጥበብ ዝንጸባረቐሉን ናይ ካርኒቫል ምርኢት እውን ሓደ ካብ መደባት እዩ። ዕለት 23 መደብ ናይ ኮማዊ ዳሳት እዩ። ኮማዊ-ዳሳት ህዝቢ ብቐረባ ተኣኪቡ፡ በዓል ናጽነቱ ዘንጸባርቐሉን ዘስተማቕረሉን ህሞት እዩ። እቲ ምትሕቁቛፍን ሃገራዊ ፍቕርን ድማ ኣብኡ እዩ ብዝያዳ ዝገሃድ። ስለ’ዚ ህዝቢ፡ ነዚ ናቱ በዓል ንምድማቕ በብዓቕሙ ይሸባሸብ ኣሎ። ዕለት 23 ምሸት ከም ልሙድ ህዝቢ ኣብ

ጎደና ሓርነት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክዛወርን ክዘናጋዕን ምስ ኣምሰየ፡ ፍርቂ ለይቲ ርሺት ናይ ምትኳስ ፕሮግራም ክህሉ እዩ። እቲ ቀንዲ በዓል ከኣ 24 ግንቦት ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ክካየድ እዩ። በዓል ናይ ዞባታት እውን ሃገራዊ መልክዕ

ክሕዝ ስለ ዘለዎ፡ ነዚ ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ናይ ዞባታት እናዘተና ነብሲ-ወከፍ ዞባ መደባቱ የተግብር ኣሎ። ኣብ ዞባ ዓንሰባ ሽግ ናጽነት ምውላዕ ካብ ዕለት 15 ጀሚሩ፡ ዕለት 20 ብደረጃ ዞባ ኣብ ሓጋዝ ክበዓል እዩ። ዞባ ደቡብ ካብ ዕለት 15 ጀሚሩ ዕለት 22 ኣብ መንደፈራ ወግዓዊ ጽምብል ክካየድ እዩ። ዞባ ጋሽ ባርካ ካብ 15 ጀሚሩ፡ ዕለት 21 ኣብ ባረንቱ ወግዓዊ ጽምብል ክግበር እዩ። ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዕለት 15 ጀሚሩ፡ ዕለት 22 ኣብ ከተማ ጊንዳዕ’ዩ ክበዓል። ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዕለት 15 ብምጅማር ካብ ዕለት 23 ወግዓዊ ጽምብል ኣብ ከተማ ዓሰብ ክካየድ እዩ። ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዞባ ሰፊሕ ትሕዝቶ ዝሓቘፈ ምድላው ተገይሩ ኣሎ።

ኣብ ደገ ዝግበር ዘሎ ምድላዋትከ?

ንሱ እውን መቐጸልታ ናይ’ዚ ኰይኑ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ነዚ በዓል እዚ ብዝተፈልየ ኣገባብ፡ ድልየትን ሃንቀውታን እዩ ዘብዕሎ። ዝዀነት ማሕበረ-ኮም ዘለዋ ከተማ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጽምብል እያ ትገብር። እዚ ተመኩሮ ዝጸንሐ ስለ ዝዀነ ኣብ ደገ ብጽቡቕ እዩ ዝበዓል። ሕጂ እውን ነዚ መንፈስ ዝሓዘ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ማሕበረ-ኮማትና ኣብ ዘለዉዎ ከተማታት ብዝለዓለ ሃገራዊ ፍቕሪን ኒሕን እዮም ዘካይድዎ። እቲ ንኹሉ ምድላዋት ዘተኣሳስር ናይ’ዚ ዓመት ቴማ “ልምዓት ብጽንዓት” ዝብል ኰይኑ፡ መታን ኩሉ በዚ መንፈስ’ዚ ክሰርዕ፡ ናይ ሎምዘበን

ቴማ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ብኣጋ ከም ዝበጽሖ ተገይሩ እዩ።

ብዛዕባ ዝርዝር ትሕዝቶ መደባት በዓል ናጽነት እንተተብርሃልና? ብልክዕ እንታይ እንታይ እዩ ዘሎ?ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ዝረአ ምርኢታት

ከም ኣብነት እንተ ወሲድናዮ፡ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ኣብ ዞባታት ዝረአ ኩሉ መደባት’ዩ። ነቲ ቴማ ዘንጸባርቕ ባህላዊ ምርኢታት ኣሎ። ነዚ ዘሰኒ “ኪርዮግራፊ” ከኣ ምስኡ። ምድላው መንእሰያት ተማሃሮ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ተጀሚሩ እናተጻፈፈ ኣብ መወዳእታኡ በጺሑ ኣሎ። ንኹላተን ብሄራትና ዘሳትፍ ባህላዊ ፕሮግራማት እዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ደርፍን ንዕኡ ዘዳምቕ ምንቅስቓስን ምስ’ቲ ቴማ ንክኸይድ እዩ ጻዕሪ ዝግበር ዘሎ። “ሚሊታሪ ፓረይድ” (ወተሃደራዊ ምርኢት) እውን መልክዕ፡ ኣቃውማ፡ ብስለት ናይ ሰራዊትናን፡ ህዝባዊ ሰራዊትናን ኣበይ ከም ዝበጽሐ ኣንፈት ዝህብ ስለ ዝዀነ ሓደ ካብ ዓበይቲ ምርኢታትና እዩ። ብፍላይ ንቴማና ዝገልጽ ሓደ ፍሉይ ኣርእስቲ እውን ኣሎ። ክረአ ስለ ዘለዎ ዝርዝራቱ ክገልጾ ኣይደልን። እቲ ተቐሪቡ ዘሎ መደባት’ውን ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ሕጂ ተዘርዘሩ ዝውዳእ ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ወግዓዊ ዕለት ከኣ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ናይ ክልተ ሰዓት ስነ-ስርዓት ጽምብል ኣሎ። ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ጉጅለታት ባህሊ እውን ስለ ዘለዉ፡ ኣብ’ቲ መደብ ዝኣትዉ እዮም።

ኣምባሳደር ዘመደ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ

ደገ ጉጅለታት ባህሊ፡ በዓል ናጽነትና ኣብ ምድማቕ ይሳተፉ ነይሮም። ሎምዘበንከ እንታይ ዝተታሕዘ መደባት ኣሎ?

ሎሚ ዓመት ካብ ናይ ዓሚ ፍልይ ዝበለ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ደገ ጉጅለታት ባህሊ ክንርኢ ኢና። ካብ ጀርመን ሰላሳን ሓሙሽተን ኣባላት ዝሓቘፈ ናይ ሲንፎኒ ኦርኬስትራ ተዳልዩ ኣሎ። ካብ ኤውሮጳ ከም’ዚ ዓይነት ተኻፋልነት ንመጀመርታ ብምዃኑ ንድምቀት በዓልና ተወሳኺ ሓይሊ ክህቦ እዩ። ካልኣይ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጉጅለ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሳትፎ ነይሩ እንተ ዀነ’ኳ፡ እዚ ጉጅለ ግን ሓድሽ እዩ። ሳልሳይ፡ ሓደ ህቡብ

ድምጻዊ ዝሓዘ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጽእ ጉጅለ እዩ። ራብዓይ ካብ ኣሕዋት ሱዳናውያን ክኸውን እዩ። ሱዳናውያን ኣሕዋት ከም’ቲ ልሙድ ንበዓልና ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ ደርፊ ሒዞም ክመጽኡ ንጽበዮም። ምርኢት ናይ’ዞም ኣርባዕተ ጉጅለታት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ዝካየድ መደብ እዩ።

ኣምባሳደር - በዓልና ንምድማቕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ብኸመይ ትርእዮ?

ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝግበር ነገር የለን። እቲ ቴክኒካል ኮሚተ መደባት ናብ ታሕቲ ከውርድ ከሎ፡ ዝትግብሮ ግን ህዝቢ እዩ። ኣበጋሲ እቲ ንኡስ ኣካል ይኹን እምበር፡ ኣተግባሪ ህዝቢ ስለ ዝዀነ እዩ መደባትና ኩሉ ግዜ ዕዉት ዝኸውን። ኣብ’ዚ ጽምብል እውን ከም ወትሩ ዓቢ ተሳታፍነት ህዝቢ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ ዝተሓስቦ ዝኸይድ ኣሎ። በዓል ናጽነት ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ሕብረተሰብ በዓል ብምዃኑ ኣውደኣመተይ እዩ ዝብሎ ህዝቢ። ምኽንያቱ ባዕሉ ዘምጽኦ ናጽነት ስለ ዝዀነ።

በዓል ናጽነት ንምድማቕ፡ ጎኒ ጎኒ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት እውን ኣሎ። ከመይ ዝኣመሰለ ስፖርታዊ ንጥፈታት እዩ ዝካየድ ዘሎ?

ብስም ዋንጫ ናጽነት ናይ ኩዕሶ እግሪ፡ ቅድድም ብሽክለታን ኣትለቲክስን

ውድድራት ኣሎ። እቲ ውድድር ልሙድ እንተ ዀነ’ኳ፡ ሓድሽ ክገብሮ ዝኽእል ነቲ ኣጋጣሚ ተባሂሉ ስለ ዝስራዕ ጥራይ እዩ። እዚ ውድድራት ድማ ኣቐድም ኣቢሉ ጀሚሩ ብጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ኣብ ዞባ ማእከል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኩላተን ዞባታት ከኣ ንጽምብል ናጽነት ዘሰኒ መደባት ስፖርት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኣግማል ውድድር ክግበር እዩ። ኩሉ በብወገኑ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ጸጋ ክጥቀመሉ እዩ እቲ ጻዕሪ። ብፍላይ ኣብ ናይ ብሽክለታን ኣትለቲክስን

ካብ ደረጃ ኣፍሪቃ ሓሊፍና ብደረጃ ዓለም ኢና ንወዳደር ዘለና። ስለ ዝዀነ ነቲ ኣብ

ሃገርና ጽቡቕ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ስፖርት ዕብየት መሐየሊ እዩ ዝዀኖ። እዚ ዕብየትና ዝዀነ ዝኣምነሉን ዝርእዮ ዘሎን እዩ። ብኣህጉራዊ ሜድያታት፡ ኤርትራውያን ንመጀመርታ ግዜ ንኣፍሪቃ ወኪሎም ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክካፈሉ ከም ዝኽእሉ ክዝረብ እዩ ጸኒሑ። ናይ’ዚ ጭቡጥ መርትዖ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ከም ዝወዳደር ብወግዒ ተፈሊጡ ኣሎ። ከም በዓል ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ዝኣመሰሉ ካልኦት እውን ኣብ’ቲ ከባቢ ስለ ዘለዉ፡ ናታቶም ተኻፋልነት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ርጉጽ ኰይኑ ክንሰምዖ ተስፋ ኣለና። ኣብ ብሽክለታ እቲ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ናይ መወዳደሪ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ እዩ። ኤርትራዊ ኣብኡ ክካፈል ክትርኢ ከለኻ ከኣ ምልክት ናይ’ቲ ቀስ እናበለ፡ ኣብ ገለ ድማ ብናህሪ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ስፖርት ደረጃና እዩ።

እንቋዕ ሓጎሰና ኣምባሳደር ዘመደ፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዚ በዓል ናጽነት ኣመልኪትካ እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሎ ዕድል ክንህበካ።

ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ንዘሎ ህዝብና ጽቡቕ ቅነ ናጽነት ይግበረልካ እብል። ስለ’ቲ ኣብ ስቱድዮና መጺእካ ዝሃብካና

መብርሂ ብስመይን ብስም ተኸታተልቲን ደጊመ አመስግነካ። *** *** ***

“ምድላዋት ጽምብል ናጽነት ከም ወትሩ ብልዑል ተሳታፍነት ህዝቢ ብጽፈት ይሰላሰል ኣሎ” ኣምባሳደር ዘመደ

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

Page 3: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 3

ኣማኑኤል በርሀ

ኣለና፡ ሳላ ዝተጸመምና!

ኣይሂ እሳት ንዘጽሓየ ህዝቢ፣ ብርግጽ ለምለም ጥራይ እግሩ ኣብ ዳንዴር ተሓምበለ ዝበለ ሓፋሽ፣ ንዘናውጹ ናይ ግዳም ድምጽታት፡ ድምጺ ውሽጡ እናሰምዐ እዝኑ ዝለዀዀ ዜጋ፣ ቈርበቱ ብመግረፍቲ ከም ጨርቂ እናተገፈፈ፡ ምስጢሩ ዓቂቡ ዝተጸመመ ኣድሃ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዝመጽእ ናይ ሓጺንን ቃላትን ኲናት እንታይ ከገርሞ ይኽእል!? ንኲናት ይጽይኖን ይጸልኦን ደኣ’ምበር፣ እንተወሪድዎስ ፈሪሕዎ ኣይፈልጥን - ብርግጽ ከኣ’ምበር የምክኖ! ንእሳት ዘብርድ ተጻዋርነት፣ ኪኖ ሓጺን ዝጸንዕ ጽንዓት፣ ንእሾኽ ናብ ዕምባባ ዝቕይር ኣረኣእያ ዝውንን ህዝቢ፣ ሕልምታቱ ካብ ምትግባር ክዕንቅጾ ዝኽእል ሓጹራት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን። ምናልባት እቶም ሓጹራት ክትከሉ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ናይ ምስጋሮም ሜላ ግን ከም ጻዕዳ ኢዱ’ዩ ዝፈልጦም’ዚ ህዝቢ።ብጽንዓቱን ራእይኡን፡ ኣብ ሽዳ

ተንሳፊፉ ማዕበላት ዝሰገረ ሓፋሽ፣ ሎሚ ንዕኡ ዘሰናብድ ሓድሽ ማዕበል ህይወት ካበይ ክፍጠር ይኽእል!? ክንደይ’ሞ ኣብ ባሕሩ ማዕበላት ክፈጥሩ ጨብረቕ ዘይበሉ። ህድኣት ውሽጡ ግን፡ ንኹሉ ዝዘልል ማያት ኣህዲእዎ። ኣብ ቅድሚኡ ዓጋምን ጋባን ተኺልካ ክትዓናቕፎ እንተፈተንካ’ውን፡ ብእሾዀን ከይተዳህለ፡ ንፍረአን’ዩ ናብ ረብሓኡ ዘውዕሎ።ጸሓይ ዕራርቦ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ

ናይ ዓለም ጸሓይ ብራቕ ምዃና ኣጸቢቑ ንዘለሊ ህዝቢ፣ ከቶ ብርሃን ክኽወሎ ኣይክእልን’ዩ። እንተደቀስካ ቀዝሒ፣ እንተተሳእካ ዕርቃንን ጥምየትን፣ እንተሰጎምካ ሓርጎጽጎጽን ጎነጽን፣ እንተዕረፍካ እሾኽን ቋቚራን ኣብ ዝነበረሉ ረባጺ ዘመን’ኳ፡ ብጽንዓቱን ብተስፋ ናይ’ታ ብርግጽ ከምዘውግሓ ዝተኣማመነላ ጽባሕን’ዩ ንኹሉ ናብ ርህው ቀይርዎ።ምስ ናይ ጸሓይ ብርሃን ዝለዋወጥ

ናይ ጽላሎት ቁመት፣ ምስ ወቕትታት ዝቀያየር ናይ ንፋሳት ኣንፈት ከይዓጀቦ፡ ኣብ መስመሩ ዝጸንዐ ህዝቢ፣ ሕልሙ ብጽንዓቱ የግህዶ፡ ተስፋኡ ብጻዕሩ የስምሮ፡ ደናጉላታት ዘልዕል ዘራጊቶ እንተመጽአ’ውን ተሓቋቚፉ ኪኖ

ክብደት ይኸብዶ።እዚ ኩሉ ስንጭሮን ተኾርባን’ኳ

ብዳንጋ ዘይኮነ፡ ብጽንዓት’ዩ ተሰጊሩ። ሰብ ወዲ ሰብዶ ደኣ ኪኖ ግምታት ስነ ፍልጠት ሰጒሙ፡ ንመዓልታት ኣብ ጥራይ ከብዱ ይጓዓዝ’ዩ!? ከርሲ’ዛ ኩልና ንፈልጣ ከርሲ፡ ጠዓሞት እንተዘይበሊዓ’ኳ ብምንብሃቚ ትጠርዕሲ፡ ጽንዓት ሳላ ዝተመገበት ኢያ’ምበር ከመይ ኣቢላ ደኣ ክንድኡ ክትዕገስ!? እዛ ውዕዩዶ ዝሒሉዶ እናበለት እተማርጽ ጎሮሮ፡ ጠሊ ጽንዓት እንተዘይትረክብ፡ ውዑይ የብሉ ዝሑል ከመይ ኣቢላ ቃዕ ቃዕ ምስ በላ ብኡ ኣቢላ ቃዕ ኢላ ዘይተረፈት!? ዕረፍቲ ግን ኔሩ ኣብ’ቲ ነዊሕ ጉዕዞ - ብጽንዓት ዝርከብ ዕረፍቲ። መግቢ’ውን ኔሩ ኣብ’ቲ ዓጸቦ - እንጌራ ጽንዓት። ማይሲ መዓስ ተሳኢኑ ኣብ’ቲ ምድረ በዳ - ኦኣሲስ ጽንዓት።እሞ ሎሚ ደኣ፡ ነዚ ጽንዓት

ከም ባህሉ ዘስረጾ ህዝቢ፡ ንድፍን ሕልምን ልምዓቱ ንምርግጋጽ እንታይ ዘወላውል ከይህሉ። ሳላ ዝተጸመመ’ንድዩ ንእሾኽ ጭቃ ሰጊሩ ኣብ ታኼላ ክዘልል ክኢሉ። ሳላ ዝተጸመመ’ንድዩ፡ ሰብ ንዝፈጠሮም በርቅን ነጎዳታትን ከም ሙዚቃን መሰነይታኡ ብርሃንን ቈጺሩ፡ ከይተዳህለ ዘፍ ኣቢልዎም። ሳላ ዝተጸመመ’ንድዩ፡ ተፈጥሮ ምርር ክብል ከሎ’ውን ንዓጸቦ ብምጽንናዕን ብጽንዓትን ሰጊርዎ። ሎሚ ደኣ’ሞ፡ እቲ መበገስን መዕረፍን ኩሉ ምስ ጠጥሐ፡ ኣብ ሞንጎ ንዝጸንሕ

ገፈል መፈል እናኣለየ፡ ቀጠልያ ሕልሙ ንምግሃድ እንታይ ከይዓጅቦ። እዚ ትማሊ፡ “ከንቱ ፈተነ’ዩ፡ ረብሪቡ ክገድፎ’ዩ፡ ናብ ዓራርቦ ገጹ’ዩ” እናተባህለ፡ ጸኒዑ ከይተዳህለ ጉዕዞኡ ዘየቋረጸ ጸብደል ሓፋሽ፡ ሎሚ ደኣ ኣብ ሑጻታት ምድረ በዳ’ኳ ልሙዕ ክፈጥር ኣይእግሞን።ብጭዃሮ ኣኻውሕ ዘልምዕ

ጽንዓት ዘለዎ ህዝቢ፣ ልምዓቱ ንምውሓስ ዝፈለሞ ስጉሚ፡ ንፈልስታቱ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ምህርቶም እናተዓዘበ’ዩ፡ ብናይ ርግጽ ዓወት ራእይ ዝቕጽሎ።ዓለም’ኳ ብዘይካ’ቶም ዘስካሕክሑ

መከራታታ፡ መስመርካ ዘስሕቱ ዘብለጭልጩ ነገራት ቀሪባ’ውን ትጽወዓካ’ያ። ኣብ ኢድካ ዘሎ እምኒ ወርቂ ከምዘውጽእ ኣሚንካ እንተዘይጸኒዕካ ድማ፡ ናብ’ቶም ዘብለጽልጩ ምስ ከድካ፡ ሕዝ ከተብሎም ዝሃሱ ኮይኖም ይጸንሑኻ’ሞ፡ እምኒ ደንበኻ ትናፍቕ። እንተዘይጸኒዕካ ደኣ’ሞ፡ ሕልምታትካ ምእንቲ ከይተግህድ፡ ንኪፍኪፍታ ኣይሂ እናምሰሉ፡ “ጽላል ኣለና፡ ንዓ ናብ’ዚ ተዓቖብ” እናበሉ ዝጽውዑ

መስሃትያን ፈቐድኡ’ንድዮም ከጋግዩኻ። ብቐሊሉ ትሰናበድ እንተኴንካ ደኣ’ሞ፡ ክንደይ ጎራፋት ኣስናን’ንድዮም ብቕድሜኻን ብድሕሬኻን እናነብሑ ስጒምኻ ክኾላልፍዎ። ትዕግስትን ጽንዓትን ግን፡ ብነድሪ ንዝጓዝም ኣንበሳ’ውን ሃዲኡ ከምዝድቅስ ክገብርዎ ይኽእሉ። ብታህዲድ ንዝግዕር ድማ፡ ናብ ገደል የምርሕዎ።ንሕና ደኣ’ሞ፡ ኣይኮነን ንጥምየት

ንጽጋብ ንጻወር ህዝቢ’ንዲና። ብጽጋብ ሸብዳዕዳ ዝብሉ፡ ብምቾት ትዕቢት ዝውንዘፉ እንተርኣና’ውን፡ ብእኦም ከይተጸለና፡ ንራህዋና ብ“ተመስገን” ጥራይ ኢና ንገልጾ። ብኣንጻሩ እንተኾነ’ውን፡ ብራእይ ጽባሕ ደኣ ንጎስዕ’ምበር፡ ብናይ እለቱ ሰንከልከል ከብድና እናሓኸኽና ኣብ ቅድሚ ሓላፍ መንገዲ ኣይነንባሁቕን።ዝጽበየና ጒዕዞ ነዊሕን ኩርኳሕ

ዝበዝሖን ምስ ዝኸውን፡ ሽዳና እናልሓምና ደኣ ስንና ነኺስና ንኸዶ’ምበር፡ ሰርገላ ካልኦት ከነማዕዱ ንድሕሪት ግልጽ ኣይንብልን። ንፋስ ጸጥ ኢሉ እኽልን ሓሰርን ክፈልስ ይትረፍ፡ ቅርኒብ ዘየልዕል ኣብ ዝኾነሉ’ውን፣

“ኡፍ!” እናበልና ብእስትንፋስና ደኣ ዓውድና ነኺዶ’ምበር፡ ተስፋ ቆሪጽና መስአና ኣይንስንዱን። ነገር ባህሪ ክራማት ከምዝዝንግዕ ስለ እንፈልጥ ድማ፡ “በዚ እነሀለት ሓንቲ፡ በቲ ከኣ ናብኣ ገጻ ትድመር ኣላ” እናበልና ቁንጣሮ ደመናታት ካብ ምቑጻር፡ ኣቐዲምና ኣኻውሕ ፈንቂልና ክረምትና ንፈጥር።ሎሚ ንዓና ኣቡጊዳ ጽንዓት

ዝምህረና ኣይኮነንሲ፡ ግድላት ጽንዓት ንምፍታሕ’ውን ሓገዝ ኣይንሓትትን። ኪኖና ስኑ ዝነኸሰ እንተሃልዩ፡ ኣስናኑ ረጊፉ ኣብ ቃንዛ ዘሎ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ንሕና’ንዲና ባዕልና ጽንዓት። ንሕና’ንዲና ጎይቶት ትዕግስቲ። ባዕልና’ንዲና ዘይንጸምም ተጸመምቲ። ንጽንዓት ንፈልጣ ትፈልጠና፣ ነለልያ ተለልየና። ንቋንቋኣ ግርም ጌርና ንመልኮ፡ ንሳ’ውን ንቋንቋና ትርድኦ። ንዓውታኣ ኣይኮነንሲ ንሕሹኽታኣ ንሰምዖ። ጸዊዕናያ ትመጽኣና፡ ንሕና ድማ ዋላ ከይጸወዓትና ንኸዳ። ምዃን እንታይ ምኻድን ምምጻእንከ የድልየና - ወትሩ ምሳና’ንድያ ዘላ።ንሕና’ኳ፡ ብናይ “ጽንዓት

ይሃብኩም” መልእኽቲ ዘይኮንና ንጸንዕሲ፣ ጽንዓት’ምበር ቋንቋ ውሽጥና ጌርናዮ። ጽንዓት፡ ኣብ ግዜ መከራ ብኣጸናናዕቲ ካብ ደገ ናብ ውሽጥና ዘይኮነት ትኣቱ፡ ኩሉ ግዜ’ምበር ኣብ ውሽጥና ሰፈራ። ኣብ ግዜ ጸሓይ ብራቕን ኣብ ግዜ ራህዋን’ውን ጽንዓት ኣብ ውሽጥኻ እንተዘይሃልያ፣ ኣብ ግዜ ዕራርቦን መከራን’ሞ ካበይ’ያ ሃንደበት ክትመጽእ!? ንሕና’ዞም ንሕና ግን፡ ጽንዓት ቋንቋናን ባህልናን ስለዝኾነ፡ ጋህዲ ሕልምታትና ገና ወጋሕታ ከሎ’ዩ ዝጭበጥ። ንድፊ ትልምታትና ድማ ብጽንዓትና ብዓወት ይትርጎም። ኣብ ናይ ጽንዓት መስመርና እናሰጎምና’ሞ፡ እንታይ ዝኸብድ ዕዮ ገዛ ከይህሉ’ዩ? ክንደይ’ንዲና ሰጊርና፡ ሳላ ዝተጸመምና! ምስሊ ጽባሕና ድማ፡ ኣብ ሎሚ ኴንና ሕንጻጻቱን ሕብርታቱን ምቕባኡ ኣየሸግረናን። ወትሩ ትስፍዋት፡ ወትሩ ጽኑዓት!

ይቕጽል

ኪኖ ሰብ፡ ሰብ ብምዃን ዝተሰግረ ክውንነት

Page 4: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 4

ዝኸበርካ ኣቡበከር፡ ኣልዒልካዮ ዘለኻ ነጥቢ ኣብ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ተገሊጹ ምስ ዘሎ ‘ዘይሕጋዊ እምቢቲ ንምኽፋል ግብሪ’ ዝምልከት እዩ።

ብቐጥታ ዘቕረብካዮ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና ግን ሓፈሻዊ ብዛዕባ ግብሪ ዝምልከት ገለ ክንጠቅስ።ብመሰረቱ፡ ግብሪ ክብሃል እንከሎ፡

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊታት ሓንቲ ሃገር እዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ኣታዊ ግብሪ ሰራሕተኛታት፡ ግብሪ ካብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት፡ ግብሪ ካብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝኣመሰሉን ካልኦትን ዝርከብ እትዋት ዘጠቓልል እዩ። ከም ኣሰራርሓ ድማ፡ እዚ በዚ ኣገባብ’ዚ ዝተኣከበ ገንዘብ ንመኽፈሊ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ንምህናጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ንምህናጽን ምጽጋንን ትሕተ-ቅርጺታት፡ ንምክልኻል ሃገርን ጸጥታዊ ውሕስነትን እዩ ዝውዕል። መጽናዕቲታት ከምዝሕብርዎ’ውን፡ ግብርን ቀረጽን ብግቡእ እንተደኣ ተኣኪቡ፡ ካብ ዓመታዊ ኣታዊ ሓንቲ ሃገር እቲ ዝለዓለ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ኣብ ቊጠባ ሃገር ዘለዎ ተራ ብምግንዛብ’ዩ እምበኣር፡ መንግስቲ ኤርትራ ግብርን ቀረጽን ብግቡእ ንምእካብ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ብዝተፈላለየ መገዲ ክጽዕር ዝጸንሐ፡ ኣብ 1994 ድማ፡ ኣታዊ ግብሪ ዝእከበሉ መገዲ

ንምጽፋፍ ኣዋጅ ኣታዊታት ግብሪ ቊጽሪ 62/1994 ከምኡ’ውን ኣዋጅ መሸጣን ኤክሳይዝን ቍጽሪ 64/1992 ኣውጺኡ፡ እዚ ኣዋጃት’ዚ በብእዋኑ

ምምሕያሻት እናተገብረሉ ብጽፉፍ መገዲ ኣታዊታት ሃገር ዝእከብሉ ብልሓት ኣብ ምንዳይ’ውን ክጽዓር ጸኒሑ። ጎኒ ጎኒ እዚ ኣዋጃት’ዚ እውን ንኣተገባብራኡ ብዝምልከት፡ ሕጋዊ ምልክታን መምርሒታትን ወጺኡ ተሰሪሑሉን ይስረሓሉን ኣሎ። ዝዀነ ኣታዊ ዝረኸበ ዜጋ ኸኣ፡ ብመሰረት እዞም ኣዋጃትን ሕጋጋትን ዝግብኦ ግብሪ ክኸፍል ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ።ዝጠቐስናዮ ሓፈሻዊ ነጥብታት

ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብቲ ዝቐረበ ሕቶ ምስእንምለስ እምበኣር፡ ንዘለዎ ግብሪ ናይ ምኽፋል ሕጋዊ ግዴታ ዕሽሽ ብምባል ግብሪ ብግቡእ ንዘይከፍል ወይ ካብ ምኽፋል ዝሓንገደ ዜጋ፡ ሕጊ ኤርትራ እንታይ ይብሎ? እዩ ሕመረት ናይቲ ሕቶ። ብመሰረቱ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይምኽፋል ግብሪ ገበን እዩ። ኣብ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ እንተደኣ ተመልኪትና፡ ዝዀነ ሰብ ብዝምልከቶ ኣካል ብግቡእ ተተሚኑ ክኸፍሎ ዝተወሰነሉ ግብሪ፡ ኰነ ኢሉ ምኽፋል ምስ ዝኣቢ ወይ ከይከፍል ኢሉ ምስ ዝሕባእ ክሳብ 3 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ወይ ገንዘብ ከምዝቕጻዕ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ዘይምኽፋል ግብሪ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣለዎ?ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሃገርና፡ ከፈልቲ ግብሪ፡ ግብሪ ኣብ እዋኑ ክኸፍሉ ከምዘለዎም

ዘተሓሳስብ ሓበሬታ ቀጻሊ እሰምዕ እየ። ነዚ ዕሽሽ ኢሎም ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ግብሪ ካብ ምኽፋል ዝሃድሙ’ውን ብዙሓት እፈልጥ እየ። ኣብ ሕጊ ኤርትራ፡ ኰነ ኢሉ ዝግብኦ ግብሪ ኣብ ግዜኡ ዘይከፈለ ወይ ግጉይ ሰነድ ዘቕረበ ሰብ እንታይ ሕጋዊ ስጉምቲ እዩ ዝውሰደሉ? ኣቡበከር - ኣስመራ

እቲ እምቢታ፡ ምፍርራሕ፡ ጎነጽ ወይ ብዘይሕጋዊ ሕጋዊ ተቓውሞ ወይ ኣጽዋር ብምጥቃም ዝተፈጸመ ምስዝኸውን ከኣ እቲ መቕጻዕቲ ክብደት ይውስኽ። ብተመሳሳሊ፡ ዝዀነ ሰብ ዝግብኦ ግብሪ ከይከፍል፡ ኰነ ኢሉ ንዝምልከቶ በዓል መዚ ብዛዕባ ንብረቱ ወይ እትዋቱ ግጉይ ሓበሬታ ዝሃበ፡ ዝሓብአ፡ ዘታለለ፡ ወይ ዘይነገረ ብገንዘብ ወይ ማእሰርቲ እዩ ዝቕጻዕ።

ስለዚ ሓታቲ፡ ኰነ ኢሎም ግብሪ ካብ ምኽፋል ዝሕግዱን ግቡእ ግብሪ ካብ ምኽፋል ከምልጡ ሓበሬታ ዝሓብኡን ዘታልሉን ሰባት፡ ብገበን ተሓተትቲ ኰይኖም፡ ብሕጊ ናይ ማእሰርቲ ወይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክወሃቦም ከምዝኽእል ብምጥቃስ ሕጋዊ ሓሳብና ንህበካ።

ክብርኣብ. የ

ዝኸበርካ ሓታቲ፡ ሕቶኻ ብቐጥታ ኣብ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ተገሊጹ ምስ ዘሎ ሓሳብ ብዛዕባ ዝምልከት እዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ገለ ፈኮስቲ ብዙሕ ናይ ኩነት ይኹን ናይ ሕጊ ክርክራት ኣየልዕሉን’ዮም ተባሂሉ ዝእመነሎም ጉዳያት፡ ስሩዕ መስርሕ ድንነት ኣብ ክንዲ ምጥቃም ካልእ ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት ከም ኣማራጺ ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ መስርሕ’ዚ ድማ ቀለልቲ ጉዳያት ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ ብዉሑድ ወጻኢታት ኣብ መዕለቢ ንምብጻሕ ተባሂሉ ዝተኣታተወ እዩ። ስለዚ ሓታቲ፡ ጉዳይካ ካብቶም

ብዝተቐላጠፈ መስርሕ ክርአ ዝኽእል እንተደኣ ኮይኑ፡ ክልተ ኣመራጽታት ኣለዉኻ። ነቲ ጉዳይ ብዝተቀላጠፈ መስርሕ ክርኣየልካ ጥርዓን ምቅራብ ወይ'ውን ጉዳይካ በቲ ንቡር መስርሕ ከም ዝርአ ምግባር። እምበኣር ከ ስ ፡ ም ጥ ቃ ም

ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት ኣብ ድልየካ ዝምርኰስ እዩ። ሕጊ ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት ክትጥቀም ኣየገድደካን እዩ።ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግን፡

ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት ክፍቀደካ እንተደኣ ዄይኑ፡ ንኣብነት ጉዳይኩም ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ፡ ኣብ ክስኻ ዝሓተትካዮ መጠን ገንዘብ ኣብ መስርሕ ዳንነት ዝረጋገጽ ዘይኰነስ፡ ኣቐዲሙ ብጭብጢ ዝተረጋገጸ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ኣቐዲሙ

ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት ክፍቀደለይ ይኽእልዶ?

ምስ ሓደ ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ከረዳድኣና ዘይክኣለ ጉዳይ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ጉዳይና ብቤት ፍርዲን መዕለቢ ክረክብ ወሲነ ኣለኹ። እንተዀነ፡ ኣብ ውጺኢት’ቲ ጉዳይ ዝምርኰስ ክገብሮ ዘለኒ ህጹጽ ጉዳይ ኣሎኒ። ስለዚ፡ ጉዳየይ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዝተቐላጠፈ መስርሕ ክረአ ይፍቀደኒ ዶ ይኸውን?

ካፖ - ከባቢ ካርቱም ሆቴል

ዘይተረጋገጸ ምስ ዝኸዉን፡ ነዚ ንምርግጋጽ ክርክር ስለ ዝካየድ፡ ኣብቲ ክርክር ከኣ ኩሉ ናይ መልሲ ምሃብ፡ ጭብጢ ምሓዝ ይኹን መርትዖ ምቕራብ መስርሓት ክካየድ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን፡ እቲ ጉዳይ በቲ ንቡር መስርሕ ክርአ ናይ ግድን እዩ።ስለዚ ሓታቲ፡ ዝተቐላጠፈ

መስርሕ ድንነት ክትጥቀም እንተደኣ ወሲንካ፡ ነቲ እተቕርቦ ክሲ ‘ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት’ ዝብል ኣርእስቲ ክትገብረሉ ከድለየካ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ብቃለ መሓላ ተሰንዩ ክቐርብ ይግባእ። ኣብቲ ብቃለ ማሕላ ዝቐርብ ሰነድ፡ ሓታቲ ሓቅነት ናይቲ እተቕርቦ ክሲ ኣብ ልዕሊ ምርግጋጹ፡ ብናትካ እምነት ዝኸሰስካዮ ወገን ነቲ ቀሪብሉ ዘሎ

ክሲ ዝኾነ መልሲ ከቕርበሉ ከም ዘይክእል ከተረጋግጽ ትግደድ። ምኽንያቱ፡ ብመትከል፡ ዝተቐላጠፈ መስርሕ ድንነት ኣብቶም ከሳሲ ንዝቐረበሉ ክሲ ካብ

ምእማን ሓሊፉ ካ ል እ

መ ል ሲ ኣይክህልዎን’ዩ

ተባሂሎም ንእምነሎም ጉዳያት’ዩ ዝፍቀድ። ስለዚ ሓታቲ ካብ መጀመርታኡ ነዚ ከተረጋግጽ ግድነት እዩ።ኣብ መደምደምታ፡ ዝኸበርካ

ካፖ፡ ከምቲ ዝገለጽናዮ፡ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ከም’ዞም ዝጠቕስናዮምን ካልኦትን ጉዳያት፡ መስርሕ ድንነት ኣብ ክንዲ በቲ ንቡር ብዝተቐላጠፈ ኣገባብ ክረአ የፍቅድ እዩ’ሞ፡ ጉዳይካ ምስዞም ዝጠቐስናዮም ዝመሳሰል እንተደኣኰይኑ ናይ’ዚ ፍሉይ ኣገባብ’ዚ ተረባሒ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

መአረምታኣብ ናይ ትማሊ ሓሙስ ሕታም

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ዓምዲ ስነ ጥበብ፡ ‘ድሃይ ሕትመት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓምዲ፡ ንመመረቕታ መጽሓፍ ጅው ዝድህስስ ጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ጽሑፍ ጌጋታት ስለዘለዎ፡ ዝመጽእ ሓሙስ ተኣሪሙ ክቐርብ ምዃኑ ምስ ይቕሬታ ንሕብር።

ኣዳላዊ ዓምዲ ስነ-ጥበብ

Page 5: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 5

“ኣጆኻ መንግስ ሓወይ! ዝመጸ ይምጻእ ብሓንሳብ ኣለና። ከምኡ ገይርካ ኣይትድነን። ከምኡ እንተዀነ ኸኣ ዝበሉኻ ትገብር። ማለትሲ ኣብ ቅድመኦም ከምኦም ከምቲ ንሶም ዝደልይዎ ትኸውን።” ድሕሪ ዘረባ ናይ’ቶም ካልኦት መንግስ ደኒኑ ብዙሕ ስለዘስተንተነ’ዩ ሓደ ዕድመ ብልዕ ዘበለ ጐበዝ መኺርዎ። ኣብቲ መኽዘን፡ ነቲ ዝኸሓደ

ሓሰበላን ንመንግስን ገዲፍካ ሰላሳ ግዳያት ተሓይሮም ነበሩ። እቲ ዕለት ናይ ፈለማ ስለዝነበረ ኸኣ እቲ ብሱልጣን ዝካየድ ኣብ ንግድ ሰብ ዝተዋፈረ ናይ ሸፋቱ ትካል፡ ገና ምስኡ ዝሰርሑ መንእሰያት ኣብ ምሕራይ ነበረ። ብኡ ዝኣክል ንምኽፋል ገንዘብ ዝምልከት ክንደኡ ዓቢ ጉዳይ ኰይኑ ኣይነበረን። ግናስ ነፍሲ-ወከፎም ክኸፍልዎ ዝጽበዮም ዝነበረ ዶላራት ተነጊርዎም ነይሩ። ነቲ ኣርብዓ ሽሕ ዶላር ብኸመይን ኣብ ክንደይ መዓልትን ክኽፍልዎ ምዃኖም’ዩ ዘይተሓበሮም። እዚ ከየጋጥም ቀንዲ ጠንቂ ዝዀነ እውን ኣብያ መንግስ’ዩ። መንግስ፡ ብሱልጣን ንዝቐረበሉ ክፉእ-ዕድመ ስራሕ ቅልጥፍ ኢሉ እንተዝቕበሎ ክንደኡ ዝኣክል ዕለታት ከንቱ ኣምበይሓለፋን። ሓሰበላ ኣንጻር ኣሕዋቱ ክሰርሕ ምዃኑ ምስኣረጋገጸ እውን እንተዀነ ተቓውሞ መንግስ’ዩ ጠጠው ዘበሎ። “ዝመጸ ይምጻእ ብሓንሳብ ኣለና!”

መንግስ ካብቲ ጐበዝ ንዝሰምዖ ሓረግ እናደገመ፡ ንኹሎም ብኣዒንቱ ዀለሎም። ኣብ ገጻቶም ዘንበቦ ሕውነታዊ መንፈስ ድማ ሞራል ወሰኸሉ። ነቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ከቢድ መስቀል ተመኻኺሮምን ተሓባቢሮምን ክሓልፎ ከምዘለዎም ክውስኸሎም እናሓሰበ ኸኣ ካብ ግዳም ዓንደፍ-ዓንደፍ ዝብል ደሃያት ተሰምዐ። እታ መኸዘን እውን ኣእዛና ተኺላ ኩር በለት። “እናሃለ እዚ’ዩ! ሕጂ እዉን

ኣብታ ዝገደፍናዮ ከምታ ዝገደፍናዮ ኣሎ።” ተስፎም ጉጅለ ኣስዒቡ ናብ’ቲ መኽዘን ምስተወርወረ ካብ ኣፍደገ ኣትሒዙ፡ ወጪጩ። ተስፎም ምስ ኣተወ፡ ሱልጣንን እቶም ሰለስተ ራሻይዳን ኣብ ቅድሚ መንግስ ግትር በሉ። ናይ’ቲ ፍጻመ ሰበብ ዝዀነ ሓሰበላ ኸኣ ብድሕረኦም ቆመ። “ኣስማዕ ያ መንግስ! ሓቂ ድዩ

ከምኡ ገይርካ?” ንሱልጣን ልዙብ ቃና ነይርዎ። መንግስ ኣጸቢቑ ቅንዕ ኢሉ። ተስፎም ዓይኒ-ዓይኑ እናጠመተ ተቐቢልዎ። እንታይ ከም ዝምልስ ብዙሕ ኣሃንጠዮ። ከም ናይ ነፋሒቶ ኣምሲልወን ንዝነበረ ኣዒንቱ ሓንሳብ ሰም ከይብላ’ኳ ይከላኸለን ነይሩ።“ዓም ሱልጣን እንታይ’ዩ? እንታይ

ገይርካ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ?” ንሕቶ ብሕቶ መሊሹ፡ ንጉርሒ ብጉርሒ ከፍሽሎ ምዃኑ ምእንቲ ክነግሮ ናብ ተስፎም ተመልሰ።

ገብሩ ክብረኣብ

21 ክፋል

“ድላይካ ክትገብር ዕድል ሂበካ፡ ኣይገበርካዮን። ሕጂ ነዚ ቈልዓ ኸኣ ድላዩ ከይገብር ዓንቂጽካዮ!”“ዓም ሱልጣን፡ ኣነ ደኣ’ሞ እንታይ

ዓቕሚ ኣለኒ ክዕንቅጽ…”“ኣታ ሓሳዊ!” ተስፎም ንመንግስ

ምስኰለፎ ዘሊሉ ዓይኑ ከንቁሮ ደለየ።“ኸላስ!” ሱልጣን፡ ደሃዩ ኣንቅጽ

ኣቢሉ፡ ከቲርዎ። ተስፎም ናብ ቦታኡ እናተመልሰ ምስ መንግስ ምጥምማት ኣይገደፉን። “ኣነ ሓሶት ኣይፈቱን’የ ያ

መንግስ! ገይርካዮ፡ ኣይገበርካዮን ሓደኡ ንገር?” ኣብ ቅድሚ ሱልጣን እቶም ኤርትራውያን መንእሰያት ተመሳሰልቲ ነበሩ። ተስፎም ኰነ ሓሰበላ ዋላ እውን መንግስ፡ ገንዘብ ምእንቲ ክእክብ እምበር ፍቕሮም ስለዝነበሮ ኣይኰነን፡ ካብቶም ካልኦት ዝፈለዮም። እቶም ከም ወትሩ ቆይሞምን ደኒኖምን ዝነበሩ ሰላሳ ግዳያት ድማ ንጉዳይ መንግስ፡ ልዕሊ ኻልእ ቈጺሮም ብኣንክሮ ይከታተልዎ ነበሩ። “ዓም ሱልጣን ኣነ ወላሂ ከምኡ

ኣይገበርኩን። ከምኡ ዘግብር ከ እንታይ ኣለኒ?” ብጐቦ ንተስፎም እናጠመተ መለሰ። “ተማም! ሕጂ ምሳይ ክትሰርሕ

ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ?” ሕቶ ሱልጣን ንመንግስ ክኸብዶ ጀሚሩ። ስለዚስ ኣየድመጸን።“ምሳኻ እዛረብ ኣለኹ፡ ያ

መንግስ!” ስቕታ ዝሓሸ መልሲ ዀይኑ

ረኺብዎ። “እድሪስ!” ንመንግስ ገዲፉ ን

ተስፎም ጸውዖ።“ኣቤት መዓልም!”“ሃባ’ቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ኩርማዥ!”

ተስፎም ቅልጥፍ ኢሉ ኣቐቢልዎ። ሱልጣን ኩርማዥ ንዝሓዘት ኢዱ ናብ መንግስ ሰደዳ። “ብቓል ካብ ኣበኻስ እንካ ብግብሪ

ኣርእየኒ! ካብዚ ኩሉ ዘረባስ ርእየ ክኣምን!” ንመንግስ ካልእ ብርቱዕ ፈተነ ህሩግ ኢልዎ። ኢድ ሱልጣን ኣብ ኣየር ደቓይቕ ገይራ። መንግስ ነታ ኩርማዥ ቅድሚ ምቕባሉ ናብቶም ብዙሓት ግዳያት ኣቋሚቱ። “ኣታ መንግስ ይርደኣና’ዩ። በጃኻ

ዋላ ምስኣቶም ክትከውን ከለኻ ኣፍኩስ ኣቢልካ ህረመና’ሞ ደሓር ምስከዱ ከም ቀደምና ንኸውን!” …

“ከምዛ ትገብራ ዘለኻ ኣይተዋጽን’ያ። ንዓኻ ኣይጽብቕትን’ያ፡ ንዓና ኸማን ኣይጽብቕትን’ያ። ጽቡቕ ኣለዉ እዞም ኣሕዋትና፡ ንዓኻ ክሕሸካ ንዓና እዉን ክሕሸና ብሜላ ግበሮ በጃኻ። ምሳኹም’የ በሎም፣ ዘረባኻ ምስኦም ይኸውን፡ ልብኻ ግን ምሳና!”

ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ኣብ ርእሱ ኣድህዩ። ክሳዱ ዕጽፍ ኣቢሉ ድማ ኣብ ኢድ ሱልጣን ንዝነቐጸት ኩርማዥ ተቐበላ።

“ተማም! ያላ ሕጂ እንታይ ከምትገብር ኣይጠፍኣካን’ዩ። ያላ…” ኣብቲ መኽዘን ዝነበራ ኩለን ኣዒንቲ ናብ መንግስ ዓለባ። ኣርብዓ ዝቑጸሩ ሰባት ዓቚሩ ዝነበረ መኽዘን ሓደ’ኳ ዘይነበሮ መሰለ። ደሃይ ዝወደቐት መርፍእ ክሳብ ዘስምዕ ድማ ጸጥ በለ። ግናስ እቲ ጸጥታ ኣብ ደገ ደኣ’ዩ እምበር ኣብ ኣእምሮ መንግስ ሲ ብርቱዕ ክትዕ ነበረ። ከምቲ ዝመኸርዎ ክገብር ተደናደነ። ኣብ የማናይ ኢዱ ንዝጨበጣ ኩርማዥ እውን ኣብ ዝባን ኣሕዋቱ ከውርዳ ወስወሰ። ብርእሱ ወሰነ። ኢዱ ግን ሓፍ ምባል ኣበዮ። ግዜ በልዐ።

“እንታይ ትጽበ ከምዘለኻ ኣይተረደኣንን?” ሱልጣን፡ ሓሳቡ ከይኰልፎ ብቐስታ ተዛሪብዎ። መንግስ ግን ደረቐ።“መዓልም ኣነ ኳ ኢለካ’የ! እዚ

ወዲ ንዕቀት ኣለዎ። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክገብር ትጽበዮ ኣለኻ?” ተስፎም ጣልቃ ኣተወ።ድሕሪ ዘረባ ተስፎም ሱልጣን

ዝግ ኢሉ ሓሲቡ። ኣፉ ምስከፈተ ኸኣ ከምዚ በለ፡ “እድሪስ፡ ሓሰበላ! ያላ ነዚ ወዲ

እሰርዎ! ያላ ግረፍዎ!”

ነቶም ሰላሳ ግዳያት፡ ኣሰንበዶም። ምስ መንግስ ዝመኸሩ መሲልዎም ስለዝጸንሐ ኸኣ ምኽኽ በሉ። እዚ ምስተባህለ፡ ተስፎምን ሓሰበላን ነቲ መኽዘን ክዕንድርሉ ጀመሩ። ብሕልፊ ተስፎም ጸሎቱ ከምዝተሰምዓሉ ጸላዪ፡ ብታሕጓስ ተሰራሰረ። ኣብ ሓደ ጸግዒ ካብ ዝተነበረ ቀጢን ሰንሰለት ምንጥል ኣቢሉ ብምውሳድ ኸኣ ኣብ ቅድሚ መንግስ ቆመ። ኣብ ገጽ መንግስ ብርቱዕ ቁጥዐ ጸኒሕዎ። ገጽ ተስፎም ግና ባህታ ይተፍእ ነይሩ። ዘተንፍሶ

ዝነበረ ኣየር’ኳ ናይ ሓጐስ ሃፈጽታ ነበሮ። መንግስ ተመቚሐ። ተስፎምን

ሓሰበላን ድማ እናተበራረዩ፡ ገረፍዎ። ብሓይለ ኣቦኦም ገሪፎም ኣብ ባይታ ክሳብ ዝስጣሕ ምስገበርዎ ኸኣ ሱልጣን ‘ይኣክል’ በለ። “ያላ እታ ቴለፎን ንዓኡ ሃብዎ!

ኣደውሎም በልዎ። ነፍሲወከፎም ድማ ኣርብዓ ሽሕ ዶላር ይኽፈል!” ኣዚዙ፡ ነቶም ሰለስተ ራሻይዳ ሒዙ፡ ወጺኡ ኸደ።

*** “ያኸ መንግስ እንታይ ኣእትዩካ

ክንዲዚ ከልበትበት ትብል? ንዓይ እንዶ ርኣየኒ? ከምዚ ናተይ ዘይትገብር፡ ዝበሉኻ ትገብረሎም ዎ ሰላምካ ትረክብ?” ሓሰበላ ኣብ ጐኒ’ቲ ዝቑንዞ ዝነበረ መንግስ ተዀይጡ ክዛረቦ ጀሚሩ። መንግስ ቊሊሕ ኢልዎ እምበር

ብቓል ኣይመለሰሉን። “ሓቀይ’የ ስለ ዝኣበኻ እንታይ ትረክብ ኣለኻ ርኣዮ? ወላሂ ዕድልካ ተጠቐመሉ!”መንግስ ክምስ ኢሉ።“ንዓናይ ንኺድ እዚ

ኣይሰምዓካን’ዩ። ንኺድ ንዓናይ ንኺድ…” ክከታተሎም ዝጸንሐ

ተስፎም ነቲ ኣንጻር ሓሳባት ኣብ መንጎ ብምእታው ገላጊልዎ። ድሕሪ’ዚ ተስፎምን ሓሰበላን

ካብቲ መኽዘን ወጺኦም፡ ከዱ። መንግስን እቶም ካልኦትን ድማ ነንሓድሕዶም እናተጸናንዑ ምስውዓሉ መሬት ዓይኒ ሓዘ። ጸሓይ ኣብ ምስታዃ ሓደ

ካብቶም ዋርድያታት ኣብ ማዕጾ መኽዘን ተጸጊዑ፡ “መንግስ ሽንቲ ድፋእ፡ ያላ ቀልጥፍ ያላ!” ኽብል ጨደረ።ወትሩ ግዜ፡ እዋን ምሸት ሽንቲ

ዝድፍኣሉ ግዜ’ዩ። እቶም ግዳያት ኣብ ቁራጽ ጀረካን ንዝሸንዎ ዝደፍኦ ድማ መንግስ’ዩ ዝነበረ። በቲ መዓልቲ’ቲ እውን ሲ እቲ መዝነት እቲ፡ ኣይተመንጠለን።መንግስ ዝተኣዘዞ ክገብር፡ ነቲ

ቁራጽ ጀረካን ንኽልተ ኣእዳዉ ኣብ ዝኣሰረ ሰንሰለት ሓቘፎ። ዓንደፍ ዓንደፍ እናበለ ኸኣ በቲ ዝተኸፍተ ማዕጾ ወጸ። ካብ’ቲ መኽዘን ሽድሽተ.. ሸውዓተ ሜትሮ ፍትንን ኢሉ ክደፍኦ ኽብል ግን ቈላሕታኡ ዘዐንዘዘ ነገር ኣብ ባይታ ወዲቑ ርኣየ - ዝተታሓሓዘ መፍትሕ።

ይቕጽል…

መንግስ - እቲ ደፋር ሲናይ

Page 6: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ሓራጅ

ኣብ መንጎ ብፍርዲ በዓል መሰል ኤልሳ ተኽለሃይማኖት ብፍርዲ በዓል ዕዳ ኣቶ ዮሴፍ የማነ ዝነበረ ናይ ንብረት ክርክር ቤት ፍርዲ ብሓራጅ ክሽየጥ ስለዝኣዘዘ፡

1. እዛ ER-1-29504 ማስቱቡሽ ዝዓይነታ ስርሓት ጃፓን ዝኾነት መኪና ዋጋ 185,000.00 (ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ) ናቕፋ፡2. ER-1-22514 ቶዮታ ካሪና ስራሓት ጃፓን ዝኾነት መኪና ዋጋ 125,000.00 (ሚእትን ዕስራን

ሓሙሽተን ሽሕ) ናቕፋ ስለዝተገመታ፡ ኣብቲ ዝግበር ጨረታ ክሳተፍ ዝደሊ ቅድሚ ዕለት ሓራጅ ዘሎ 5 መዓልታት ጀሚሩ ናይቲ ዝርቋሕ መጠን ገንዘብ ኣብ ዝተዓሸገ ሰታሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ፍርዲ ቁ.62 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገብር። ብተወሳኺ ኣብቲ ዕለት ሓራጅ ናይቲ ዝተዋህበ ግምት ¼ ብስም ፈጻሚ ፍርዲ ሲ.ፒ.ኦ ኣስሪሑ ወይ ድማ ናይ ባንክ መጠራቐሚ ሕሳብ ደብተር ሒዙ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል።

፠ ዕለት ሓራጅ 26/5/2015፠ ሰዓት ሓራጅ 3:00 ድ/ቀ ክሳብ ሰዓት 4:00 ድ/ቀ፠ ቦታ ሓራጅ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቁ.27

ተወሳኺ ሓበሬታ ዝደሊ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቁ.65 መጺኡ ክውከስ ይኽእል። ከምኡ’ውን ነተን መካይን ክርኢ ዝደሊ ኣብ ከባቢ ባር ቶሪኖ ጋራጅ ሓሰን ከይዱ ክርኢ ይኽእል። እዚ ሓራጅ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ እንተዘይኣቕሪቡ ሓራጅ ደው ኣይብልን እዩ።

ምልክታኣነ ርእሶም መብራህቱ እንግዳ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ኣባሻውል ዚፕ 1A119 ጎደና

119-19 ቁ.ገዛ 15 ዝርከብ ብናይ ቤ/ጽ ክፍሊ ካዳስተር ብንብረት ቁ.መዝገብ 4043/2014 ብስመይ ዝተመዝገበ ገዛይ ንወ/ሮ ትብለጽ እስቲፋኖስ ስለዝሸጥኩላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ተቓውምኡ የቕርብ። እንተዘየለ ግን መስርሕ ምትሕልላፍ ከምዝፍጸም አፍልጥ ኣለኹ።

ርእሶም መብራህቱ እንግዳ

ብዕለት 04/12/2012 ዓ.ም ኣብ መንጎ ኣቶ መሓመድ ጌታ ዓረብን ኣቶ ኣኽሊሉ እምባየ ገብረእእእምላኽን ቁ.መንነት ER-1031713 ኣድራሻ ዞባ ማእከል ኣስመራ ናይ ትካል መፍረ ደርሁ ጊንዳዕ ሓ.ዝ.ብ.ማ መሸጣ ውዕል ብጽሑፍ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ከምዝተገብረ ይፍለጥ።እንተኾነ ግን ዓዳጊ ኣቶ ኣኽሊሉ እምባየ ገብረኣምላኽ ብውዕሎም መሰረት ከተግብሩ

ስለዘይከኣሉ፡ እዚ ምልክታ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝተቓልሓሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 (ሰላሳ) መዓልታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሊኩደይተር ቀሪቦም ዝኣተውዎ ውዕል እንተዘይፈጺሞም፡ ውዕል ፈሪሱ ብዝኣተዎ መሸጣ ውዕል ግዴታ መሰረት ክቕጽዑ ምዃኖምን እቲ ትካል ንኻልእ ዓዳጊ ክሸይጥ ምዃኑን ኣቐዲመ እሕብር።

ሊኩደይተር ብርሃነ ተስፋሚካኤል ዘጎዝተፈቕደሉ ናይ ሕሳብ በዓል ሞያቁ.ስልኪ 111912 ወይ 07111359

ወ/ሮ ልዋም ኣለም ተኽለ ዓባየይ ነፍ/ለተብርሃን ገብረክርስቶስ ዕቑቡ ብሂወት እንከላ ነዚ ኣብ ዞባ 4 ምም/03 ጎደና 722 ኣብ ሎታ 104 ፓርሰል A/2 ዝርከብ ብጊዝያዊ ምስክር ዋንነት ኣባይቲ ከተማ ቁ.120836 መወከሲ ቁ.103555 ተመዝጊቡ ዝርከብ ዘይንቀሳቐስ ንብረታ፡ ንኣመልካቲት ልዋም ኣለም ተኽለን ምስ ሓወይ ኣቶ ሮቤል ኣለም ተኽለ ብለበዋ ገዲፋትልና ሓሊፋ ስለዘላ ስመ ዋንነት ካብ ስም ተላባዊት ናብ ስምና ከነመሓላልፎ ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ ካብ ዝወጸሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ።

ወ/ሮ ልዋም ኣለም ተኽለ

ኣነ ወረደ ተኽለ በኺት ዝተበሃልኩ፡ ሕጋዊ ወኪል ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለ በኺት ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ምምሕዳር ከባቢ ኣኽርያ ጎደና 135-23 ቁጽሪ 183 ዝርከብ ብኮሚሽን ኣባይቲ ብመወከሲ ቁ.120511 ምስክር ዋንነት ቁ.102279 ዝተዋህቦ ኣብ ሃገራዊ ካዳስተር ብንብረት መለለዩ ቁ.1-005565 ብስም 1. ነፍ/ ሂወት ዘርአ ባህታ 2. ወረደ ተኽለ በኺት 3.ዮውሃንስ ተኽለ በኺት ዝተመዝገበ ክልቴና ንዮውሃንስ ተኽለ በኺት ውህብቶ ስለዝገበርናሉን ናብ ስሙ ከነመሓላልፎ ስለዝደለናን ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ወረደ ተኽለ በኺትሕጋዊ ወኪል ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለ በኺት

ኣነ ወረደ ተኽለ በኺት ዝተበሃልኩ፡ ሕጋዊ ወኪል ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለ በኺት ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ምምሕዳር ከባቢ ገጀረት ጎደና ነሲቡ ዘኣማንኤል ነበር ቁጽሪ 139 ዝርከብ ብኮሚሽን ኣባይቲ ብመወከሲ ቁ.116581/116582 ምስክር ዋንነት ቁ.102451 ዝተዋህቦ ኣብ ሃገራዊ ካዳስተር ብንብረት መለለዩ ቁ.1-005773 ብስም 1. ነፍ ሂወት ዘርአ ባህታ 2. ወረደ ተኽለ በኺት 3. ዮውሃንስ ተኽለ በኺት ዝተመዝገበ ገዛ ኣደና ነቲ ብጽሒታ ንክልቴና ውህብቶ ስለዝገበረትልናን ናብ ስምና ከነመሓላልፎ ስለዝደለናን ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ወረደ ተኽለ በኺትሕጋዊ ወኪል ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለ በኺት

ንሕና ወረስቲ ነፍ/ግራዝማች ፍስሃየ በራኺ ተስፉን ነፍ/ወ/ሮ ኣረጋሽ ኣድሓኖም ዘርአን ዝኾንና፡ ብስም ኣውረስትና ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቺነማ ሮማን ኣብ ከባቢ ባት ትብለጽን ዝርከብ ዘይንቀሳቐስ ንብረት (ገዛውቲ) ብውርሲ ናብ ስምና ማለት የማነ ፍስሃየ በራኺ ምስ 5 ኣሕዋተይ ከነመሓላልፎ ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፣ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

ወረስቲ፡ ነፍ/ግራዝማች ፍስሃየ በራኺነፍ/ወ/ሮ ኣረጋሽ ኣድሓኖምየማነ ፍስሃየ በራኺ +5

ንካልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ሚ/ሪ ጥዕና ብመገዲ NHIS MOH ነዞም ዝስዕቡ ከስርሕ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተወዳደርቲ ይዕድም። To replace the old system with new supply, installation and commissioning of telephone network for the ministry of health head quarter.

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝለዎም ነጥብታት

- ተወዳደርቲ ናይ 2014 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ከቕርቡ ይግባእ።- ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ዝምለስ 2% ናይቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ብሲፒኦ (CPO) ከትሕዙ ይግባእ።- ምልክታ ጨረታ ክሳብ 04/06/2015 ሰዓት 9:00 ቅ/ቀትሪ ክፉት ኮይኑ ሰዓት 10:00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ

ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሚ/ሪ ጥዕና ቁ.36 ይኽፈት።- ዝርዝር መግለጽን ሓበሬታን ካብ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ሚ/ሪ ጥዕና ምውሳድ ይከኣል ወይ

ብቁጽሪ ተሌፎን 125312 ብምድዋል ሓበሬታ ውሰዱ።- ቤት ጽሕፈትና (ሚ/ሪ ጥዕና) ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ጨረታ ንምስራዝ

መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚ/ሪ ጥዕና

ምልክታ ጨረታ

ሚ/ሪ ጥዕና ብመገዲ እዞም ዝስዕቡ ኣካላቱ ነዞም ዝስዕቡ ከስርሕ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተወዳደርቲ ይዕድም።

1. ብመንገዲ pharmacy service Division catalog ንምሕታም2. ብመንገዲ Health promotion MOH, print of DG manual and publish Canvas posters with stand

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት፡

- ተወዳደርቲ ናይ 2014 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ወይ መወዳደሪ ፍቓድ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ከቕርቡ ይግባእ።- ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ዝምለስ 2% ናይቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ብሲፒኦ (CPO) ከትሕዙ ይግባእ።- ምልክታ ጨረታ ክሳብ 04/06/2015 ሰዓት 9፡00 ቅ/ቀትሪ ክፉት ኮይኑ ሰዓት 10:00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ

ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሚ/ሪ ጥዕና ቁ.36 ይኽፈት።- ቤት ጽሕፈትና (ሚ/ሪ ጥዕና) ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ጨረታ ንምስራዝ

መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሚ/ሪ ጥዕና

ምልክታ

ንሕና ወረ/ነፍ መብራት ካሕሳይን ነፍ/ጉዖይ ካሕሳይ ዝኾንና፡ ንመዋቲት ኣደና ነፍ/ጉዖይ ካሕሳይ ተኪእና ናይ ሓትነናን ነፍ/መብራት ካሕሳይ ሕጋውያን ወረስቲ ምዃንና ብቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ብቁ.መዝ 4907/2000 ብዕለት 18/01/2001 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባኣያ ስለዝተረጋገጸልና፡ ነዚ ኣብ ኣስመራ ምም/ን/ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ ዞባ 6 ምም/01 ጎደና “ዶባ” ቁጽሪ ገዛ 618 ዝርከብ ብኮምሽን ኣባይቲ ዋንነት ደብተር ቁ.113687 መወከሲ ቁ.104362/63 ብስም መዋቲት ኣደና ነፍ/ጉዖይ ካሕሳይ ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛ ናብ ስም ወረስቲ ክመሓላለፈልና ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ (ሓደ ወርሒ) ኣብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ።

ወረ/ነፍ መብራት ካሕሳይወረ/ነፍ ጉዖይ ካሕሳይ

ወ/ሮ ትዕበ ሃይለ ተድላ +5

Page 7: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 7

ብሞት ብልቢ ንፈትዎ ሓውና ዳዊት ተኣምራት ሃይሉ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ወጻኢ ዝተሓባበርኩምና ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ክሳብ ዓዲ ውጥሕ ብምኻድ ዘቃበርኩምና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

ኣሕዋቱ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ በዓል ቤተይ ኣቶ ክፍለ ገረዝጊሄር ኣብርሃም ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ቀብሪ ዘቃበርኩምና፡ ኣብ ገዛና ብምምልላስ ከምኡ’ውን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ንግስቲ ኣብርሃምምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር በዓል ቤተይ ርእሰ ደብሪ ቀሺ ጸጋይ ሰጊድ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ሬሳ ኣብ ምስዳድ ዝተሓባበርኩምና፡ ሬሳ ተቐቢልኩም ስጋብ እምባደርሆ ኬድኩም ዘቃበርኩምና፡ ከምኡ’ውን ብቴሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ብምዃን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልዑል ምስጋና ነቕርብ።

በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ እዝግሃርያ ከሰተምስ ደቅናን ምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብሞት እንፈትዎ ወድናን ሓውናን ኣባል 3ይ ዙርያ ሄኖክ ዓንደብርሃን ወ/የውሃንስ (ሊሊ) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ከምኡ’ውን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብተሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

በዓልቲ ቤቱ ሳራ ገ/ብርሃንምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ በየነ ፍስሃጼን ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ቤት መኻእ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ካብ ወጻኢ ብቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን እናመስገንና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ዓጺና ኣለና።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ የሻረግ በርሀ ምስ ደቁንምሉኣት ስድራቤትን

ብሃንደበታዊ ሞት ወድናን ሓውናን ሚክያስ መንግስተኣብ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ደቀምሓረ (ዞባ ደቡብ) ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ተኻፈልቲ ሓዘንና ብምዃን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ነፍልጥ።

ወለዱ፡ መምህር መንግስተኣብ ተኽለሚካኤልወይዘሮ ንጽህቲ ገብረመድህን ምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር በዓል ቤተይ መምህር ሓድጉ ገብረማርያም ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ መቓብር ጸጸራት ኣስመራ ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብኣካል ይኹን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሮማ በላይደቁን ምሉኣት ስድራቤትን

ብምኽንያት ሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ዑቕባሚካኤል ሃይለማርያም ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ሆስፒታል ዝተመላለስኩምን ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ክሳብ ዛውል ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ብቴሌፎን ካብ ውሽጥን ካብ ወጻእን ብምድዋል ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ዘጸናናዕኩምና፡ የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልዑል ምስጋናና ነቕርብ።

በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣስካሉ ዘርኡምስ ደቀንን ምሉኣት ስድራቤትን

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ ምልእተ ዓንደሚካኤል ፍስሓ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንኩሉኹም ዘቃበርኩምናን ብኣካል ኮነ ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ነመስግነኩም ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ድማ ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

ደቀን ምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ወረደ ኣፈወርቂ ኪዳነ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቅብሩ ዘሰነኹምናን ካብ ውሽጥን ወጻኢን ብተሌፎን፡ ከምኡ’ውን ናብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናዕኩምናን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ገነት ገብረስላሴምስ ደቀንን ምሉኣት ስድራቤትን

ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ኣብርሃ ፈልፈለ ዘወልዳይ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ክሳብ ዓዲ ሙሳ (ንኡስ ዞባ በሪኽ) ብምኻድ ዘቃበርኩምና፡ ከምኡ’ውን ብኣካል ገዛና ብምምልላስ ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣብርሀት በርሀምስ ደቀንን ምሉኣት ስድራቤትን

ብመስዋእቲ ኣዚየ ዘፍቅሮ ክቡር ብ/ቤተይ ገዲም ተጋዳላይ መጀር ግደይ ገብረመድህን (ኣንቶንዮ) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝሓገዝኩምና ከምኡ’ውን ዝኣለኹሞ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኩሉኹም ኣባላት ዝደኸምኩም ብፍላይ ኣባላት እስታፍ ምም/ሚኒ/ምክልኻል ፈተውቱን ኣዕሩኹቱን ቤተሰብን ኣብ መቓብር ሓርበኛ ዘቃበርኩምና፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ምድዋል ዘጸናናዕኩምና ተኻፈልቲ ሓዘንና ዝኾንኩም የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ካብ መዓሙቕ ልበይ ዝነቐለ ልዑል ምስጋና የቕርብ።

ብ/ቤ ኣዜብ ዑ/ባዮናስምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅራ ኣደና ወ/ሮ ሮማ ተስፋጼን ቀሺ ኣርኣያ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ሕማማ ሆስፒታል ዝተመላለስኩም ኣብ ዕረፍታ መካነ መቓብር ቤ/ገርግሽ ዘቃበርኩምና፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብኣካልን ብቴሌፎንን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

ምሉኣት ስድራቤት

Page 8: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 8

ጽንዓት መገዲ ዓወት

Page 9: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 9

ነጃት ኣደም

ደቀንስትዮ ደቂ እንተደኣሃልየናና’ሞ፡ ገዛእ ርእሰን ተቖጻጺረን ዕዉት ዝኾነ ህይወት ክመርሓን እንታይ ሓገዛት እየን ካባና ዝጽበያ? ካብ ተጸጋዕትነት ወጺኤን ናጽነተን ክእውጃ ምድጋፍ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዙሓት ወለዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ (ወላ ኣብቲ ዝደቐቐ ጉዳይ) ስጉምቲ ደቆም እናኣተዉ፡ ንደቆም ዕድል ከይሃቡ ባዕሎም ይትግብርዎ’ሞ፡ ደቆም ብዛዕባ ብኸመይ ውሳኔ ምውሳድ፡ ብኸመይ ነቲ ቅኑዕ ነገር ትመርጽ ከይመሃሩ ዕድል ይኸልኡዎም።ንደቀንስትዮ ደቅና’ምበኣር

ሓላፍነታውያን ምእንቲ ክኾና፡ ብኣጋኡ ብኸመይ ቅኑዕ ምርጫታት ውሳኔታትን ይወስዳን ዕድል እናፈጠርና ክንምህረን ይግባእ። ከምዚ ምስ እንገብር ድማ ኢና፡ ወትሩ ዓወት እናኾመረት እትኸይድ ብልጽቲ ሰብ ከነፍሪ እንኽእል። ናጽነት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብምእማንን ብምሙርኳስን ስለ እትመጽእ። ነዚ ንምትግባር ዝሕግዙና ነጥብታት ንርአ፡-

ንህጻናት ደቀንስትዮ ደቅና * ዝኾነ ፍሉይ ስራሕ ንኽፍጽማኦ’ስከ

ንሃበን። ንነፍሲ ወከፍ ክትዛዝሞ እንደልዮ ስጉምቲ ኣብ ስእሊ ኣስፊርና ድማ ኣብ ብቐሊሉ ክትርእዮ እትኽእል ቦታ ለጢፍና ከምእትስዕቦ ንግበር። ምእንቲ ክትስዕቦ ክትክእል ድማ ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ንቆራርጾ።* ዝኾነ ስራሕ ክንህባ እንከላ ነምርጻ።

ገዛ ከተጽሪዶ ወይስ ክዳውንቲ ክትዓጽፍ ትደሊ ሓቲትና ንኽትመርጽ ዕድል ንሃባ። ከምዚ ብምግባርና ሓደ ስራሕ መሪጻ ከም እትዓምም ኢና ንገብር ዘለና።

* ኣብ ነፍሲ ወከፍ እትሰርሖምን እትፍትኖምን ሓደስቲ ነገራት ከነተባብዓ ይግባእ። ወላ ነቲ ስራሕ ብጽፈት ኣይትዛዝሞ ንንኣዳ። ብገዛእ ርእሳ ሓሲባ ክትሰርሕ ምፍታና ዓቢ ስጉምቲ ምዃኑ ብተግባር ነርእያ።* ኣብ ትምህርቲ ከምእተቶኩር

ንግበራ። ትምህርቲ እቲ ቀዳማይ ዕማማ ክኸውን ከምዝግባእ እናሻዕ ደጋጊምና ኣብ ኣእምሮኣ ነስርጸላ። ስለዝኾነ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ስራሕ ምስራሓ ዕዮ ገዛ ክትሰርሕን ከተጽንዕን ከምዘለዋ ንከታተላ። ንእተመዝግቦም ዓወታት ድማ ንሸልማን ነተባብዓያን።* ብኣብነት ንምራሓያ። ንሕና ንገዛእ

ርእስና ከም እንከናኸናን እንጥንቀቐላን

እንተደኣ ኣርኢናያ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዘለዋ ክብርን ተኣማንነትን ንኽዓቢ’ዩ ዝድርኽ። እዚ ድማ ኣብ ኣካላትና ሞራልና፡ ፍልጠናን ጥዕናናን ዝምርኮስ እዩ። * ኣብ ስፖርት

ክትነጥፍ ነተባብዓያ። ኣብ ጋንታ ወይ ጉጅለ ተጠርኒፋ ምስራሕ፡ ንናይ ምብህሃል ክእለታን ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣረዳድኣኣን ከስፍሖ ይኽእል እዩ። ወላ’ኳ ንዘይፈተወቶን

ዘይተቐበለቶን ነገር ክትገብሮ ከነገድዳ እንተዘይብልና፡ ንዝጀመረቶ ነገር ግና ብዘይምኽንያት ከተቋርጾ ኣይንፍቀደላ።ፍቕርና ነርእያን ንሓብሕባን።

ምኽንያቱ ፍልይትን ኣድናቒትን ምዃና ምእንቲ ክትፈልጥ። ንተቐባልነትና ክትከስብ ድማ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ እያ።

ንመንእሰያት ደቅና

* ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ምኽርን ማዕዳን ካብ ምሃብ ኣይንብቀቐላ። ብዙሕ ጉድኣት ዘየምጻኣላ ናይ ባዕላ ጌጋታት ክትፈጥርን ካብኦም ንኽትመሃርን ነፍቅደላ። ንኽትመርጽ ዕድል ብምሃብና

ኣብ ልዕሊኣ ዘለና እምነት ኣርኢና ኢና እምነት ከምእተሕድር ንገብራ ዘለና።* ንመንእሰያት ደቅና፡ ብፍላይ ድማ

ነተን ኣብ ኮለጃት ኣትየን ዘተማህራ፡ ኣብ ናይ ስድራቤት ጉዳያትን ውሳኔታትን ነዋሳኣየን። ከምዚ ምግባርና፡ ኣብ ጉዳያት ስድራቤት፡ ክንዮ’ቲ ተጥርዮ ተሞኩሮ፡ እጃማ ከተበርክት ከምእትኽእል’ውን ኢና ነፍቅደላ ዘለና።* ንዛንታታት ንገብሮም ዝነበርና

ጌጋታትናን ኣተዓባብያናን ነጻ ኬንና ነዕልላ። ከምዚ ምስ እንገብር ድማ ጌጋ ምፍጻም

ናጽነት ደቀንስትዮ ደቅናንቡር ምዃኑን ካብኦም ብዙሕ ነገራት ከምእንመሃርን ኢና ንሕብራ ዘለና። * ርሕቀታ ክትሕሉ ንፍቀደላ።

ብሕቱው ኢላ ምስ ነብሳ እተዕልለሉ ግዜን ቦታን ንሃባ። ምስ ገዛእ ርእሳ ከተዕልል ዕድል እንተረኺባ ንነገራት ካብ ውሽጣ’ምበር ካብ ደገ ተጸልያ ክትፍጽሞም ንኸይትድረኽ’ዩ ዝገብር። ዕዉት ዝኾነ ውሳኔታት ብምውሳዳ ነድንቃን ንንኣዳን። ብኣኣ ሕቡናት ምዃና ድማ ነፍልጣ።* ፍርዲ ከይሃብና ንበሃሃል። ጽን ኢልና

ብዘይ ሙኹላፍን ምድሃልን ክንሰምዓን ብህድኣት ክንምልስላ እንተደኣክኢልና፡ ክንዮ’ቲ እነስርጸላ ኣምር ቅኑዕ ምብህሃል፡ እናሻዕ ናባና መጺኣ ምኽሪ ክትሓትትን ክትቅበልን ነጻ ፍቓድ ኢና ንህባ ዘለና።

ሳላ’ቲ ኣብ ቤት ትምህርታት ዝግበር ንጥፈታት ስፖርት፡ ጌና ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ክእለታን ተውህቦኣን ከተለሊ ዝበቕዐት ተማሃሪት እያ። በቲ ቤት ትምህርቶም ዝተገብረ ጎስጓስ ጻውዒት ንውድድር ጉያ እግሪ፡ ከይተማተአትን ዓይና ከይሓሰየትን’ያ ተመዝጊባ። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ኣብ ትምህርታ፡ ንኡስ ዞባኣን ዞባኣን ብልጽቲ ጎያዪት ብምዃን፡ ንሃገር ወኪላ ብኣህጉር ደረጃ ንውድድር ዝበቐዐትን ብዙሕ ተሞኲራ ንዘለዋ ነዊሕ መጻኢ ብዓወት ከተዕለቕልቕ ንገዚፍ ዕድል ተማዕዱ ዘላ እያ - ውልዶ ኣትለት ዘቢብ ተስፋገርግሽ።

ጥቕስታት ደቀንስትዮ* ካብ ትርጉም ዘይብሉ ህይወት ክመርሕ፡ ትርጉም ዘለዎ ሞት ክመውት ይሕሸኒ።

Corazon Aquino* ህይወት ካብ ሞት ንላዕሊ ዝዓሞቐ ትርጉም ኣለዋ።

Mary Mapes Dodge* ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝበለጸ ነገር ምግባር ጽባሕ ኣብ ዝበለጸ ቦታ የቐምጠካ።

Oprah Winfrey* እንተደኣ ግድን ክፍጽሞ ዘለኒ ኮይኑ፡ ክፍጽሞ ይኽእል እየ፡ ኣነ ሓያልን ዘይሰዓርን

ሰብ እየ። Helen Reed

* ክልቲኦም እንተደኣዘይወኒንናዮም፡ ፍትሒ ካብ ክብሪ ይበልጽ። Alice Stone Blackwell

* ንሕና እቲ እንፈልጦ ዘይኮንናስ፡ እቲ ብሕጂ እንፈልጦ ኢና እንኸውን። Mary Catherine Bateson

ሙተመ

ይዛ

ዘቢብ ኣብ ዓዲ ተኽላይ ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ኣብ 1999 እያ ካብታ ሸውዓተ(ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ) ትንፋስ ዘፍረየት ስድራ፡ ካብ ወላዲኣ ኣቶ ተስፋገርግሽ የማነን ወላዲታ ገነት ገብረማርያምን ተወሊዳ።ዘቢብ ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታኣ፡

ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ተኽላይ ድሕሪ ምክትታል፡ ካብ 6ይ-8ይ ድማ ኣብ ዓዲ ገብሩ ክትመሃር ድሕሪ ምምራጽ፡ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ምስ ተመርጸት ግና ናብ ኣስመራ ብምቕያር ኣብ ቤት ትምህርቲ ባሕቲ መስከረም (ኣግኣዝያን ነበር) ናይ ሻሙናይ ትምህርታ ትከታተል ኣላ።ኣብ ትምህርቲ ዘለዋ ተገዳስነትን

ርድኢትን፡ ኣብቲ ፈለማ ክረኽባ ክንቋጸር እንከለና፡ ትምህርቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ስለዝኾነት ከይዱንግያ ምስ ተላበወትኒ’የ ተረዲኤዮ። ንደረጃኣ ባዕላ ክትገልጽ እንከላ ድማ፡ ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ፡ ጥቕሚ ትምህርቲ ብዙሕ ዘይትፈልጥን ዘይርዳኣን ምንባራ፡ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ምስ ተረፈት ግና ጽቡቕ መነቓቕሒ ኮይኑዋ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደረጃ ምስ ቀዳሞት ሰለስተ ብልጫታት ክሰርዓ ምኽኣሉ’ያ እተዕልል።ዘቢብ ሓደ መዓልቲ ሻውዓይ ክፍሊ

ኮይና ከም ኩሉ ግዜ እናተማህረት እንከላ፡ ክትጎዩ እትኽእሉ ተመዝገቡ ዝብል

ምልክታ ዘንብቡ ኣብ ክፍላ ምስ ኣተዉ እያ ሃንደበት ተመዝጊባ። ኣቐዲማ ኣብ ዝኾነ ውድድራት ተሳቲፋ ዘይትፈልጥ ጓል 13 ዓመት’ኳ እንተነበረት ነቲ ይፍትን ኢላ ዝኣተወቶ ኣትለቲክስ ጉያ እግሪ ኣብ ቤት ትምህርትን ንኡስ ዞባን ዝተገብረ ቦኽሪ ውድድር ኣብ ክልቲኡ ቀዳመይቲ ወጺኣ ናብ ናይ ዞባ ውድድር ሰገረት። ኣብ ናይ ዞባ’ውን ቀዳመይቲ ስለ

ዝወጸት፡ መንፍዓታ ዝረኣየ ኣሰልጣኒ ኣትለቲክስ ዞባ ማእከል ምሕረተኣብ፡ ንቦኽሪ ኣሰልጣኒኣን መምህራን ናትናኤል ባህታ ተወኪሱ ኣብ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ተጠርኒፋ ልምምድ ክትገብር ጀመረት። ኣስመራ ስለዝቐየረት ድማ ምስ ሓትኖኣ እናተቐመጠት፡ ትምህርታ እናተኸታተለትን ጽዑቕ ልምምዳታ እናገበረትን፡ ኣብዘን ሒዝናየን ዘለና ወርሕን ዓመትን ምስ ካልኦት ሰለስተ ደቀንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ኣብ ማውሪሽየስ ዝተገብረ ውድድር ብናይ 800ን 1500ን ሜትሮ ክሳተፉ ዕድል ረኺቦም።ዘቢብ ኣብ ናይ 800ን 1500ን ሜትሮ

እትጎዪ ኮይና፡ ካብ መጀመርያ ልምምዳ፡ ካብ ሃገር ወጺኣ ባንዴራ እናንበልበለት ስማን ስም ሃገራን ከተጸውዕ ከም ዝነበረ ሕልማ’ያ ትገልጽ። ኣብቲ 27 ሃገራት ዝተሳተፋኦ ኣህጉራዊ ውድድር’ዚ ድማ፡ እንተኽኢላ ተዓዊታ ክትመጽእ፡

እንተዘይኮይኑ ድማ ምስቲ ፈለማያ ምዃኑ ብዙሕ ተማሂራን ተሞኲራን ንኽትመጽእ’ዩ ነይሩ ትጽቢታ። ከም ትጽቢታ ድማ ኣብ ናይ 1500ን ሜትሮ ኣብ መጻረዪ’ኳ ካልአይቲ ደረጃ ሒዛ እንተሓለፈት፡ ኣብ መዛዘሚ ግና ናይ ሻውዓይ ደረጃ ሒዛ ብምዝዛም ካብቲ ውድድር ባህሪ ሜዳ፡ ኣጓዩያን ኣሳጉማን፡ ከምኡ’ውን ኣተሓሕዛ ሰዓት ዓቢ ትምህርቲ ከምዝቐሰመት ትዝርዝር። ሰዓታ ክትከይድ እንከላ 4፡54 ዝነበረ ኣብኡ ናብ 4፡29 ከምዘማሓየሸት ትገልጽ።ኣብ ትምህርቲ ዘለዋ ፍቕርን ርድኢትን

ከምኡ’ውን ምስ ስፖርት ብኸመይ ተወሃህዶን ምስ ተሓተተት ዘቢብ፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ህይወታ፡ ናብ ዝለዓለ ዕቤትን ምዕባለን ዝመርሓ ትምህርቲ ምዃኑን፡ ስፖርት’ውን ኣካል ዝሃንጽ፡ ናብ ዓወት ዝመርሕን ምስ ሰባት ዘላልን ዘፋቕርን ብምዃኑ ኣዝያ እተፍቅሮን ከዕብያ ዝኽእል ምዃኑ ትፈልጥ’ኳ እንተኾነት፡ ብዋጋ ትምህርታ ክኸውን ከምዘይትደልን’ያ ትገልጽ። “ይደክም’ኳ እንተኾንኩ፡ ንኽልቲኦም ከይከሰርኩ ብኽልቲኦም ክዕወት፡ መደብ ፈልየ’የ ዘጽንዕን ልምምድ ዝገብርን” ክትብል ድማ ወሲኻ ተብርህ። ዘቢብ ነዚ ኩሉ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ

እትጎናጸፎ ዘላ ዓወትን እተቋምቶ ዘላ ገስጋስ ዓወትን ፍረ ገዚፍ እጃም ናጽነት ምዃኑ፡ “ሳላ ናጽነት ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ክሳተፍን ባንዴራ ሃገረይ ከንበልብልን

ዕድል ተኸፊቱለይ” ክትብል’ያ ትገልጾ። ብኣጋጣሚ ክቡር በዓል ድማ ንመላእ ህዝቢ ዮሃና ትብል።ዘቢብ ናይ መጻኢ መደባታ

ኣመልኪታ፡ ነዚ ቀዳማይ ተሳትፎ ከም መምሃርን መሞኮርን ኣጋጣሚ ወሲዳ፡ ኣብ ኦሊምፒክ ክትሳተፍ እቲ ዝድለ ሰዓት ከተማሓይሽ ብርቱዕ ጻዕሪ ትገብር ምህላዋ ትሕብር።ኣብ መጠረሽታ ድማ ኩለን

ደቀንስትዮ፡ ድርብ ዓወት ምእንቲ ክኾነለን ትምህርትን ሞያን ኣወሃሂደን ብኽልቲኡ ክዕወታ ክኽእላ ለበዋኣ ብምምሕልላፍ፡ ብመጀመርያ ነቶም ናብዚ ደረጃ ክትበጽሕ ዘይሕለል ጻዕርን ዳጌፋን ዝገበሩ ስድራኣ፡ ናብዚ ደረጃ ክትበጽሕ ባብ ዘርሓወላ ቀዳማይ ኣሰልጣኒኣን መምህራን ናትናኤል ባህታ፡ ከምኡ’ውን ንዳሕረዎት ኣሰልጠንታ ምሕረታኣብን ከምኡ’ውን ኢሳቕ ነጸረኣብን፡ ንከም ጓሎም እናተኸናኸኑ ኣብ ኣስመራ ኣቐሚጦም ትምህርታን ስፖርትን ብማዕረ ክትዕወተሎም ዝጽዕሩ አለዉ ሓትነኣ ጊደይ ገብረማርያም ምስ በዓልቤታ ሳህለ ተወልደመድህንን ደቆምን፡ ኣበባ ገብረማርያም ንእትበሃል ክሳዕ ስታድዩም እናኸደት ትከታተላን ተተባብዓን ካልአይቲ ሓትናኣ፡ ንኹሎም መሓዙታን ብጾታን ብዙሕ ተመስግን።

“ናጽነት ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ንኽሳተፍ’ዩ ዕድል ከፊቱለይ” ዘቢብ ተስፋገርግሽ

Page 10: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 10

Conscious Kids Circle (CKC) - We are talking on Technology, Education, Art, Culture, Humanity, Enlightenment and Renaissance. For further Information call or Send Messages to : 07261231

Teklehaimanot Yemane

The Mouse that was… Part II and FINAL“This is the story of a little

mouse who discovered that all he had to do to be happy was be

himself.”

“Hmm,” thought the little mouse, “May be I am not a lion. May be I am a giraffe.” So he ran over to where all the gigantic giraffes lived, in a gigantic cage surrounded by a gigantic fence to stop the giraffes escaping.Being so small the little mouse wriggled straight through the fence to meet the gigantic giraffes inside. Standing as tall as he could, he tried to reach for the leaves on top of the gigantic trees. But even on tiptoes he could only reach the grass growing around the trunk of the tree. All the giraffes fell about laughing.“In that case,” the little mouse thought, “I MUST be an eagle.” So he ran over to where all the ginormous eagles lived, in a ginormous cage covered with a ginormous net to stop the eagles escaping.Being so small, the little mouse easily slipped straight through the netting to meet the ginormous eagles inside.

Trying to fly, he jumped in the air and flapped his little mouse legs as fast as he could. But he try as he might, he just kept falling over on his bottom. All the eagles fell about laughing, “Ha, ha, ha, ha.”Just then the zookeeper came along to close the zoo for the night. First he

went to see the great lions, who were still laughing at the little mouse’s feeble roaring. The zookeeper put a great big lock on the great big bars to stop the lions running around and exploring the countryside. Next he went to see the gigantic giraffes, who were still laughing at the little mouse standing on tiptoes trying to reach the top of the trees. The zookeeper put a gigantic lock on the gigantic fence which stopped the giraffes from reaching the juiciest leaves just outside their cage.Lastly the zookeeper went to see the ginormous eagles, who still were laughing at the little mouse trying to fly and falling on his bottom. He put a ginormous big lock on the ginormous nets to stop the eagles from flying off and soaring through the sky. Just then the zookeeper saw the little mouse. “What are you doing, little mouse?” said the zookeeper, “this zoo is not for a little mouse like you. Shoo!”“Little?” said the little mouse to himself, “You mean I’m not BIG?”Looking around, the little mouse

I AM CONSCIOUS ... I AM INDEPENDENT!

Submit your poems for competition before May 17, 2015. Illustrate your poem with photo, digital

art, painting or still art. The competition is open only for kids, age range from 7 to 17

years old.

Send your works by post, To: (CKC Bravo Award 2), Hadas

Ertra, P.O.BOX 243

realized that out of ALL of the enormous animals in the zoo, he was the only one small enough to scamper through the bars, wriggle through the fences, and slip through the netting.Suddenly all the other animals stopped laughing. They were all locked in their cages staring at the little mouse, who was free to go wherever he wanted and explore the world.The little mouse fell around laughing at how lucky he was to be so small. He realized he didn’t need to be big. He was a little mouse, and being little was all he needed to be happy.And so the little mouse picked up his little bag containing all his important mousey things and left the zoo, running as fast as his very little legs would carry him. He ran all the way back to his little hole, in his little tree, in his little wood. And he promised himself that from that day forward he would just enjoy being a little mouse; the very best little mouse he could be.

_A Story by Paul Choy, source – http://www.

paulchoy.com

Page 11: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 11

ስፖርትሃብቶም ጸጋይ

ድሕሪ 2003 ንፈለማ ግዜኣ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት

ኢጣልያዊት ክለብ ጁቬንቱስ ንዓርሞሸሽ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ብምስዓር ናብ ግጥም ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ዘሊላ። ባርሴሎና ኣንጻር ጁቬንቱስ ክራኸባ ከለዋ፡ ትጽቢት ኤልክላሲኮ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ሻምፒዮንስ ሊግ ድማ ቅሂሙ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሜዳኣ ኣብ ልዕሊ

ማድሪድ ናይ 2-1 ዓወት ዘመዝገበት ጁቬ፡ ኣብቲ ንፈረንሳዊ ኣከፋፋሊ ፖል ፖግባ ካብ ፈለማ ዘሰለፈትሉ ጸወታ፡ ፖርቱጋላዊ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘቑጸራ ፍጹም ቅላዕ 1-0 ተመሪሓ’ያ ንቀዳማይ እብረ ወዲኣቶ። እቲ ውጽኢት ናብ ዝቕጽል መድረኽ ዘሕልፋ ብዘይምዃኑ ከኣ ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ናብ ምጥቃዕ ከተድህብ ተራእያ። ኣብ መበል 57 ደቒቕ ድማ እቲ ኣብ ኣካዳሚ ክለብ ማድሪድ ዝዓበየን ዝሓለፈ ዓመት ብኣስታት 20 ሚልዮን ዩሮ ዝተሰጋገረን መንእሰይ ኣጥቃዓይ ሞራታ፡ ንሞራል ማድሪዳውያን ዝሰበረትን ንተስፋ ደገፍቲ ጁቬ ዘበረኸትን ሸቶ ኣመዝጊቡ። ርዝነት እታ ሸቶ ኣዝያ ዓባይ’ኳ እንተነበረት፡ ሞራታ ግን ንኽብሪ ደገፍቲ ሪያል ማድሪድ ንኽጽንብላ ኣይመረጸን።ድሕሪ’ታ ናይ ሞራታ ሸቶ፡ ኣሰልጣኒ

ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ ንሜክሲካዊ ኣጥቃዓይ ቺካሪቶ ብምስላፍ ንመስመር ምጥቃዕ ጋንትኡ’ኳ እንተኣደርዖ፡ ንውጽኢት ጸወታ ዝቕይር ኩነታት ግን ኣይተፈጥረን። ብሓላው ልዳት ቡፎንን ተኸላኸልቲ ኬሊኒ፡ ባኑቺ፡ ኤቭራን ለቼስታይነርን ዝተደንቐ መስመር ምክልኻል ጁቬ ፡ነቲ ካብ ሮናልዶ፡ በይል፡ በንዘማን ካልኦትን ዝመጾ ዝነበረ ዋሕዚ መጥቅዕቲ ማድሪድ ብዝግባእ ከምክን ተራእዩ። በዚ ድማ ንውድድራት ሰሪ-ኣ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዚኣ ዝጨበጠት ጁቬ ናብ በርሊን ዘሳፍራ ትኬት ቆሪጻ። ብዙሓት ኣፍቐርቲ ስፖርት ብተስፋ ዝተተንበዩዎ ግጥም ኤል ክላሲኮ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ሻምፒዮንስ ሊግ ከኣ ትጽቢት ጥራይ ኮይኑ ተረፈ።ንውጽኢት ናይቲ ጸወታ ተኸቲሉ፡

ማዕከናት ዜና ነቲ ዝመጽእ 6 ሰነ ኣብ ከተማ በርሊን ዝካየድ ግጥም ባርሳን ጁቬን፡ ‘ተጻዋታይ ባርሴሎና ኡራጋያዊ ልዊስ ስዋረዝ ኣንጻር ተኸላኻላይ ጁቬንቱስ ኢጣልያዊ ጆርጆ ኬሊኒ ዳግማይ ተራኺቦም’ ክብላ ገሊጸን። እዞም ክልተ ተጻወትቲ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ሃገራውያን ጋንታታት ኡራጋይን

ተጻዋታይ ክለብ ቸልሲ ቤልጁማዊ ኤዲን ሃዛርድ፡ ብማሕበር ጸሓፍቲ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ‘ዝበለጸ ተጻዋታይ’ ተባሂሉ ተረቑሑ። ሃዛርድ፡ ኣብቲ ልዕሊ 300 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ድምጾም ዝሃቡሉ መስርሕ 53 ሚእታዊት ብምርካቡ’ዩ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ። ተጻዋታይ ቶተንሃም ሃሪ ኬን ካልኣይ ተርታ ክሕዝ ከሎ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሉጽ ብቕዓት ዘንጸባረቐ ተኸላኻላይ ጆን ቴሪ ድማ ሳልሳይ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኮይኑ።ኣብ 2012 ካብ ፈረንሳዊት ክለብ ሊል

ዝተሰጋገረ ሃዛርድ፡ ኣብዚ ኣብ ምዝዛም በጺሑ ዝርከብ ዓመተ ስፖርት 20 ሸቶታት ብምምዝጋብ ጋንትኡ ዘውዲ ፕሪምየር ሊግን ካፒታል ዋን ካፕን ክትደፍእ ኣኽኢሉዋ’ዩ። ኣቦ መንበር ማሕበር ጸሓፍቲ ኣንዲ ዳን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃዛርድ ብዘርኣዮ ብቕዓት ኣብ ዝርዝር ነቲ ሽልማት ዝወሰዱ ተጻወትቲ ምእታዉ ዝግብኦ ምዃኑ

ዜና ስፖርት ብሓጺሩ • ኣጥቃዓይ ማንዩናይትድ ራዳሜል ፋልካኦ ኣብታ እንግሊዛዊት ክለብ ሕጉስ ከምዘየለን

ኣብ ዝቕጽል ናይ ምስግጋር እዋን ካብታ ክለብ ክለቕቕ ምዃኑን ወላዲቱ ገሊጻ። ወዲ 29 ዓመት ፋልካኦ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2015 ካብ ፈረንሳዊት ክለብ ሞናኮ ብመልክዕ ልቓሕ ካብ ዝመጽእ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ 28 ጸወታታት ጥራይ ክስለፍ ከሎ፡ ኣርባዕተ ሸቶታት ጥራይ ድማ ብስሙ ኣቑጺሩ።• ኣትለቲኮ ማድሪድ ንፈረንሳዊ ተጻዋታያ ኣንቶነ ግሪዝማን ክተሸጦ ከምትኽእል ጋዜጣ

ዘ ሳን ሓቢራ። እታ ክለብ ነቲ ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሸቶ’ታ ጋንታ ዝኾነ ኣጥቃዓይ ብ43.5 ሚልዮን ፓዉንድ ክትዕድጎ ናብ ትኽእል ክለብ ንምሻጥ ቅርብቲ ምህላዋ’ቲ ሓበሬታ የነጽር። • ዌስትሃም ዩናይትድ ብዛዕባ መጻኢ ኩነታት ኣሰልጣኒኣ ሳም ኣላርዳይስ ኣብ ክረምቲ

ክትዉስን ምዃና ተፈሊጡ። እታ ጋንታ ወላ’ኳ ንሳም ኣላርዳይስ ናይ ምፍናው ድሌታ እንተዘይገለጸት፡ ራፋ በኒተዝን ማይክል ላውድሩፕን ግን በታ ክለብ ከም መተካእታ ዝተሓጸዩ ኣሰልጠንቲ ኢዮም።

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ትማሊ “ቺፖ ናይ ሕማመይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ፡ ኣብ ናይ ሰሉስ ሕታም ክቕጽል ምዃኑ ሓቢረ ነይረ። እንተኾነ ዕድል ስለዝተረኽበ፡ ሎሚ አቕርበልኩም ኣለኹ።ኣብቲ ናይ ትማሊ ሕታም፡ ብዛዕባ ሓጺር

ታሪኽ ኣመሰራርታ ጋንታ ፋብሪካ ጫማ ኤርትራ (ቺፖሊኒ) ከምኡ’ውን ብዛዕባ ስፖርተኛታት ግዛቸው በርሀ፡ ገዛኢን ገብረሚካኤል ገብረመድህን (ገሬ)ን ሓጺር ታሪኽ ህይወት ንንባብ በቒዑ ነይሩ። ብዛዕባ’ቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ተጻወትቲ ቺፖሊኒ ገና ኣይወዳእናን ብምህላውና ብኣኣቶም ክጅምር፦5. ብጎኒ ነፍስሄር ገብረሚካኤል ዘሎ

ተስፋስላሰ’ዩ። ኣብቲ እዋን ተስፋስላሰ ሓድሽ ተጻዋታይ’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ኣብ መስመር ምጥቃዕ ክስለፍ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ሓደገኛ ተጻዋታይ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። ኣብ ጸወታ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን፣ ንወጻኢ ከይዱ።6. ብጸጋም ተስፋስላሰ ዘሎ ተጻዋታይ፡

ፍጹም እምባየ እዩ። ፍጹም ዝበዝሕ እዋን ኣብ ምክፍፋል ተሰሊፉ’ዩ ዝጻወት ነይሩ። ብሓርፋፍ ጸወታኡን ድፍረቱን ከኣ’ዩ ዝያዳ ዝልለ ዝነበረ። ፍጹም ኣብ ጋንታ ቺፖሊኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ’ምበር ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ’ውን ቀዋሚ ተሰላፊ ዝኾነሉ እዋናት ነይሩ’ዩ።7. ምስ ፍጹም ኣብ መስመር ምክፍፋል

ተሰሊፉ ዝጻወት ዝነበረ ከኣ እዚ ብጎኑ ዘሎ ነጋሽ ተኽሊት’ዩ። ነጋሽ ተኽሊት ኣብ ኩዕሶ እግሪ ሃገርናን ገዛኢት ሃገርና ዝነበረት ኢትዮጵያን ግኑን ስም’ዩ ዘለዎ። ነጋሽ ምስ ጋንታ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ስነ ኪነት ኣስመራ እንከሎ ኣትሒዘ’የ ዝፈልጦ። ምስ ጋንታ ሓይሊ ኣየር’ውን ኣብ ጎኒ በዓል

ጁቬ ናብ ግጥም ፍጻመ ሓሊፋ፣ ትጽቢት ኤልክላሲኮ ቅሂሙ

ኢጣልያን ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2014 ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ ስዋረዝ ንኬሊን ብኣስናኑ ምምንጫቱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ስዋረዝ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ’ዩ። እንሆ ከኣ ድሕሪ ሓደ

ዓመት ዳግማይ ኣብ ሜዳ ክራኸቡ ክኢሎም ኣለዉ። ጁቬ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ፍጻመ ዝበጽሓትሉ ዓመተ 2003፡ ብኤሲ ሚላን ተሳዒራ ምንባራ ሰነዳት ሻምፒዮንስ ሊግ ይሕብሩ።

ሃዛርድ ‘ብሉጽ ተጻዋታይ’ ተባሂሉኣረዲኡ። ተጻዋታይ ክለብ ኣርሰናል ኣሌክሲስ ሳንቸዝን ሓላው ልዳት ማንዩናይትድ ዳቪድ ደ’ኺያን ምስቶም ሰለስተ ዕዉታት ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ዝኣተዉ ኢዮም።

ተስፋልደት (ሊሊ) ተሰሊፉ ክጻወት ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን። ነጋሽ ተኽሊት ስሙ ዝያዳ ዝሃበበሉ ግና ናብ ጋንታ ፋብሪካ ጫማ ኤርትራ (ቺፖሊኒ) ድሕሪ ምጽንባሩ’ዩ። ነጋሽ በቲ ስፖርታዊ ህልኽ ዝመልኦ ጸወታኡን ትብዓቱን ከምኡ’ውን ኩዕሶ ናይ ምምንጣል ክእለቱን’ዩ ዝዝከር። ልዕሊ ኹሉ ግና ብርእሲ ሃሪምካ ሸቶ ብናይ ምምዝጋብ ክእለቱ እምብዛ ውሩይ’ዩ። ነጋሽ ልዕሊ ሰብ ዘሊሉ፡ ቦታ ርእዩ ብቴስታ ዝልእካ ኩዕሶ ወይ ኣብ ሰኪዐታ’ያ፣ ወይ ድማ ልዳት ገጭያ እያ ንስክላ ጎል ካብ ምዃን ትበኩር።ነጋሽ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ተጻዋታይ

ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ነዊሕ ዓመታት ተጻዊቱ’ዩ። ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ዋንጫ ሴካፋ ክትዓትር’ውን ኣኽኢሉዋ እዩ። ነጋሽ ተኽሊት ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ’ውን ንሓያሎ ዓመታት ከገልግል ጸኒሑ’ዩ።8. ንነጋሽ ብሸነኽ ጸጋሙ ዘሎ፡ ብርሃነ

ዓንደብርሃን (ካርካሳ) እዩ። ካርካሳ ኣብ ቺፖሊኒ ይኹን ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቁጽሪ-5 ተሰሊፉ ዝጻወት፡ ሓደ ካብቶም ናይ ጉልበት ተጻወትቲ’ዩ ነይሩ። ኩዕሶ ብርእሲ

ገጭዩ ብምምላስ ዝያዳ ይልለ። ኩዕሶ ብምጥላዝ (ብነዊሕ ቀሊዕካ ካብ ክሊ ማዕጾኻ ምርሓቕ) እውን ብዙሓት ይዝክሩዎ’ዮም። ነቲ ኣብ ቺፖሊኒ ይኹን ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ካብ ጎኑ ዘይፍለ፡ ናይ ሓንጎል ተጻዋታይ ገሬ ኣሚኑ’ውን፡ ስሕት ኢሉ ኩዕሶ ኮብኪቡ ንማእከል ሜዳ ናይ ምእታው ልምዲ ነይሩዎ።9. ደሳለኝ ገብረገርግሽ፦ ደሳለኝ ናይ መላእ

ትግራይ ዝነፍዐ ሓላው ልዳት ኣብ ዝነበረሉ’ዩ ናብ ኤርትራ መጺኡ። ይኹን’ምበር፡ ምስ ናይ ኣስመራ ተጻወትቲ ዝዳረግ ብቕዓት ስለዘይነበሮ፡ ብሉጽ ሓላው ልዳት ንክኸውን ብዙሕ ጻዕሪ ኣካይዱን ተኻይድሉን’ዩ። ደሳለኝ ፈለማ ናብ ኣዱሊስ እዩ ተጸንቢሩ። እቲ ሓላው ልዳት ብምስልጣን ኣብ ሃገርና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝነበሩዎ ገዲል ድማ’ዩ ንደሳለኝ ድሌቱን ቁመቱን ርእዩ ብልዑል ተገዳስነትን ጻዕርን ዘሰልጥኖ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ ደሳለኝ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ኣዱሊስ ብቐዋምነት

ጀማል መሓመድ ኣማን

ቺፖ - ናይ ሕማመይዝኽሪ ቁልዕነተይ

ናይ ምስላፍ ዕድል ረኺቡ። ናብ ቺፖሊኒ ምስ ተሰጋገረ’ውን ብቕዓቱ ዝያዳ ሰማይ ዓሪጉ፡ ክሳብ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐዋምነት ናይ ምስላፍ ዕድል ረኺቡስ ነዊሕ ግዜ’ውን ኣገልጊሉ’ዩ።10. ኮፍ ኢሎም ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ ብሸነኽ

ጸጋም ዘሎ ከኣ ምስግና ካሕሳይ (ኣንበሳ)’ዩ። ኣንበሳ ምስ ኣዱሊስ ነዊሕ እዋን ምስ ተጻወተ’ዩ ናብ ፋብሪካ ጫማ ኤርትራ ኣቢሉ። ኣብኡ’ውን ምስታ ጋንታን ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን ብምዃን ኣብ ሓያሎ ዓበይቲ ጸወታታት ዝተሰለፈን ሓያሎ ዓወታት ዝተጐናጸፈን’ዩ።11. ንኣንበሳ ብሸነኽ ጸጋሙ ዘሎ ሃብተ፡

ኣብ ቁጽሪ ሰለስተ ተሰሊፉ ዝጻወት ዝነበረ፡ ኩዕሶ ክሮስ ብምግባርን ብሓያል ጉያን ዝልለ ተጻዋታይ’ዩ። ሃብተ ምስ ቤት ትምህርቲ ኢሳቕ ተወልደመድህን እናተጻወተ እንከሎ ኣትሒዘ እየ ዝፈልጦ። ምስ ቺፖሊኒን ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን’ውን ንሓያሎ ዓመታት ተጻዊቱ’ዩ።12. ኮፍ ካብ ዝበሉ መወዳእታ የማን ዘሎ

ድማ ኣማኑኤል ኢያሱ (ዓቴ) እዩ። ኣማኑኤል እያሱ ካብ ሻሙናይ ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ሓሊፉ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምቕጻል ካብ ዓተከሌዛን ናብ ኣስመራ ክመጽእ እንከሎ ሃሳስ ዝኽሪ ኣለኒ። ምስ ቤት ትምህርቲ ባርካን ኣዱሊስን ድማ ተሰሊፉ ክጻወት ጀሚሩ። ብጉልበትን ክእለትን ፍጥነትን እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ዓቴ ናብ ቺፖሊኒ ተሰጋጊሩ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሓያሎ ግጥማት ኣካይዱ’ዩ። ምስ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰሊፉ’ውን ከም ነጋሽ ተኽሊት ዝለዓለ ኣበርክቶ ገይሩ። ኣማኑኤል ኣብ ድሕሪ ናጽነት ናብ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝቐየረሉ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ ሓያሎ ኣህጉራዊ ግጥማት ተኻፊሉ’ዩ።

Page 12: ሃማደኤ ጨንፈር ደቡብ ሱዳን መስራቲ ዋዕላ ኣካዪዱ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_15052015.pdfመበል 24 ዓመት ቁ. 256 15 ግንቦት

ሓዳስ ኤርትራ 15 ግንቦት 2015 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

ሽሃብ ኣርኣያ

መራሒ ኣልቃዒዳ-ነበር ኡሳማ ቢን ላዲን፡ ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ትካላት ጸጥታ ፓኪስታን ኣትዩ ከምዝነበረን መንግስቲ ኣመሪካ “ነቲ ግብረሽበራዊ መራሒ ብዘይ ምትሕብባር ፓኪስታን’የ ቀቲለዮ” ክብል ዝሃቦ መግለጺ ድማ ዝተፈብረኸ ከምዝኾነን ውሩይ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ሲሞር ሃርሽ ኣቃሊዑ።ቢን ላዲን ምስቲ ዝነበሮ ከቢድ ናይ

ጥዕና ጸገማት ኣቐዲሙ ካብ መሪሕነት ኣልቃዒዳ ተኣልዩ ከም ዝነበረ ዝሓበረ ጋዜጠኛ ሃርሽ፡ ኣብ 2010 ሓደ መኮነን ስለያ ፓኪስታን ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ረኺቡ ቢን ላዲን ዝርከበሉ ቦታ ከም ዝሓበሮን ነቲ ብኣመሪካ ዝተሰልዐ 25 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ተቐቢሉ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝተዓቚበን ኣረዲኡ።ኩነታት ቢን ላዲን ብሓለቓ ስታፍ

ሓይልታት ፓኪስታን ኣሽፈቕ ብሮይዝን ሓላፊ ትካል ስለያ’ታ ሃገር ጀነራል ኣሰድ ዶራንን መዓልታዊ ምክትታል ይግበረሉ ከም ዝነበረን ከኣ ኣብሪሁ።

ክልተ ኣባላት ኤስ.ከይ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ትካል ጸጥታ ጀርመን፡ ንሓደ ኣልጀርያዊ ስደተኛ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት እናጋፍዑን እናዘለፉን እንከለዉ ዘርኢ ኣብ ዩትዩብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት በብእዋኑ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልኢ ከም ዝኾነ ፕረስ ቲቪ ሓቢራ።እቲ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ዘሎ

ሓጺር ፊልም፡ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ጀርመን ንሓደ ኣልጀርያዊ መንእሰይ ብኸቢድ ድሕሪ ምጭፍጫፍ ኣብ መሬት ኣውዲቖም “ኣንታ እንስሳ ናብ ዓድኻ ተመለስ፣ ኣብ ጀርመን ንዓኻ ዝኸውን ቦታ የለን” ብምባል እናጸረፍዎ ዘርኢ’ዩ።ማዕከናት ዜና ብወገነን እዚ ኣብ ሓንቲ

ምዕብልቲ ምዃናን ብመሰላት ደቂ ኣዳም ከም እትጣበቕን እትገልጽ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት፡ ካብ’ቲ ብኣመሪካውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞን ኣቡቑረብን ዝፍጸም ግፍዕን ቅትለትን ዘይፍለ ኣሰቃቒ ምዃኑ ኮኒነን።ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዞባ ባቫርያ

ኣብ ሃኖይ - ርእሰ ከተማ ቬትናም ኣብ ሓደ ናይ ጫማ ፋብሪካ ብዝተወልዐ ሓደጋ ባርዕ 72 ሰራሕተኛታት ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።ኣዛዚ ፖሊስ ቬትናም ሊናርዶ

ኣስፒና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ይምርምሮ ከም ዘሎን ንፈጸምቲ’ቲ ሓደጋ ናብ ሕጊ ከቕርብ ምዃኑን’ኳ እንተሓበረ፡ እቶም ቁጥዖኦም ዝገልጹ ዘለዉ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ግን እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ሸለልትነት ዋናታት’ቲ ፋብሪካ ከም ዘጋጠመ ከሲሶም ኣለዉ።ንሳቶም ብዘይካዚ ብቑዕ ናይ ድሕነት

መከላኸሊታት ብዘይምህላዉ ቑጽሪ ግዳያት ክዛይድ ከምዝቐሰበ ብምሕባር ድማ ዋና’ቲ ትካል ናብ ፍርዲ ክቐርብ ጸዊዖም ኣለዉ።ኣብ እዋን ሓደጋ ኣብ’ቲ ፋብሪካ

ኣብ ሃገሩ ውሽጣዊ ዑደት ክገብር ዝቐነየ ፕረዚደንት ህንዲ፡ ናረንድራ ሞዲ ኣብ ምዕራብ ህንዲ ኣብ ትርከብ ራጅኮት ኣብ ዝተባህለት ከተማ ምስ በጽሐ ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ጣኦት ሓወልቱ ሰሪሖም ዘምልኹ ሰዓብቱ ከም ዝረኸበ ተሓቢሩ።ናረንድራ ሞዲ ተግባር ናይቶም ከም ጣኦት ዝርእዩዎ ሰባት ኣይደገፎን። እቲ

ኣምልኾ ኸኣ ክቋረጽ ምሕታቱ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ይገልጹ።እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞ ድሕሪ ምግባሩ፡ ነቲ ጣኦትን ቤት ኣምልኾን ዝሃነጹ

ሰባት ኣብ ክልተ ተመቓቒሎም ገሊኦም ብኻልእ ጣኦት ክቕይርዎ ፍርቆም ድማ ብዘለዎ ክቕጽል ኣብ ዝብል ሓሳብ ጸኒዖም ኣለዉ።”

ሓደ ናይ ቻይና ትካል ህንጻ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ 19 መዓልቲ 57 ደርቢ ዘለዎ ርሻን ብምህናጽ ዝቐልጠፈ ግዜ ብምምዝጋብ ተወዳዳሪ ከም ዝሰኣነ ተፈሊጡ። ኣብ ዞባ ሁናን ኣብ ትርከብ ቻንግሻ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣጻፊፉ ሰሪሑ ብዘቕረቦ ህንጻ ብቕልጣፈ ግዜ ቀዳምነት ምሓዙ ኣመስኪሩ ኣሎ።ነቲ ብሮድ ሳስተይነብል ዝተባህለ

ትካል ኣብ ዓለም ዝነውሐ ማለት 220 ደርቢ ዘለዎ ርሻን ብሰለስተ ወርሒ ንምህናጽ መደባት ኣውጺኡ ምህላዉ እውን ምንጭታት እቲ ከባቢ ኣረዲኦም። ከምቲ ክሳዕ ሕጂ ክስረሓሉ

ዝጸንሐ ብሎኬት ኣብ ልዕሊ ብሎኬት እናደራረብካ ምህናጽ ግዜ ዝወስድ

“ኣመሪካ ብፓኪስታን ኣብ ዝተመጠወላ ሓበሬታ ተመርኲሳ’ያ ንቢን ላዲን ቀንጺላቶ” ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ

መንግስቲ ፓኪስታን ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበረ ቢን ላዲን ከም መዋገዪ’ቲ ምስ ኣልቓዒዳ ከካይዶ ዝሓሰብ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ሒዝዎ ከምዝነበረ፡ ንሱ እንተዘይ ሰሊጡዎ ግን ንኣመሪካ ብጽቡቕ ዋጋ ‘ክሸጠላ’ መደብ ከም ዝነበሮ ከረጋግጽ ከምዝኸኣለ’ውን እቲ ሃርሽ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ጭብጥታት ኣሰንዩ ሓቢሩ።ጋዜጠኛ ሲሞር ሃርሽ ኣብ መወዳእታ

ጸብጻቡ፡ ስርሒት ቅንጸላ ቢን ላዲን “ንፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ንምኹላዕ ዝዓለመን ንኣመሪካ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ዘኽሰረን ተዋስኦ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።ይኹን’ምበር ኣፈኛ ዋይት ሃዉስ ነዚ

ብጋዜጠኛ ሲሞር ሃርሽ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ “ንጅግንነት ፍሉያት ኣሃዱታት ኣመሪካ ዘቆናጽብ ዘይሓላፍነታዊ ሓበሬታ’ዩ” ክብል ነጺጉዎ’ሎ።

ጀርመን፡ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ይስዕርር ኣሎ

- ጀርመን በቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ኣድልዎን ብምእማን፡ ፈጸምቲ ናይቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ከም ዘቕርቦም ቃል ኣትዩ ኣሎ።ኣብ ኩለን መዓስከራት ስደተኛታት

ጀርመን ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ ዝካየደለን ናይ መቕጻዕቲ ሸላታት ከም ዘለዋን ኣብ ልዕሊ’ቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምጉብዕባዕን ምስርጣይን ከም ዝካየድን ድማ ፕረስ ቲቪ ከተረጋግጽ ከምዝኸኣለት ኣገንዚባ።እሱራት ንመዓልታት ኣእዳዎምን

ኣእጋሮምን ተኣሲሮም ከም ዝሳቐዩን ኩነታት ጥዕና ብዙሓት ስደተኛታት’ውን ኣብ ሕማቕ ከም ዘሎን ሓደ ኣባል ብሕታዊ ትካል ጸጥታ ከተማ ኢሰን ዝነበረ ንማዕከናት ዜና ጀርመን ምሕባሩ’ውን ይፍለጥ።ምስ’ዚ ብዝተኣሳሳር፡ “እቲ ብኽልተ

ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኦሪ ጋሉህ ዝተባህለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ዝተፈጸመ ቅትለት ብጌጋ ዝተፈጸመ’ዩ” ክብል መንግስቲ ጀርመን ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

ተወሳኺ

ቬትናም፡ ኣብ ፋብሪካ ብዘጋጠመ ባርዕ 10ታት ሞይቶም

ከባቢ 300 ሰራሕተኛታት ከምዝነበሩን ናይ መጥፍኢ ሓዊ መሳሪሒታት ብዘይ ምህላዉ ድሕሪ ምብራዕ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ከሚካላዊ ባእታታትን ጥቕላል ጎማታትን እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠመን ካብቶም ዝደሓኑ ግዳያት

ንኣጃናስ ፍራንስ ፕረስ ይገልጹ።ኣብ ቬትናም ብሰንኪ ስሰዐ ወነንቲ

ፋብሪካታትን ድኹም ናይ ምቁጽጻር ስርዓትን ብቐጻሊ ሞት ብዙሓት ድኻታት ሰራሕተኛታት ከም ዝስዕብ ጸብጻባት’ታ ሃገር ይወቕሱ።

ቻይናዊ ትካል ህንጻ ብቕልጣፈ የመስክርኣገባብ ተሪፉ ኣብ ምድሪ ዝተቐርጹ ቀጸላታት ኣገጣጢምካ ድልዱልን ቅልጡፍን ገዛ ምስራሕ ዝበለጸ ከም ዝዀነ ኣካየድቲ ናይቲ ትካል ይገልጹ።ብዝሒ ህዝብን ናይ

መንበሪ ኣባይቲ ጸገማት ዝረኣየሉ ከባቢታት ብስሉጥ ኣገባብ ሰሪሑ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ዝገልጹ ኣካየድቲ ናይቲ ትካል እቲ ህንጻታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝጻወር ምዃኑ እውን የረድኡ።