2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት”...

8
መበል 23 ዓመት ቁ. 204 23 መጋቢት ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 2 ሳሕል ደጀንና ገጽ 3 ኣብቲ ሳሕል!! ገጽ 6 ዶክተር ጃብር መሓመድ እድሪስ ገጽ 5 ኣውገት 2014 ሰንበት ገጽ 7 ጸሃይነሽ - ምስ መጉዳእታ ዓወታት እትጎናጸፍ ተቐዳዳሚት! ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝመጹ ዜጋታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ እማህሚመ ብድምቀት ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዝማዕረገ - ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ብቐጥታ ዝተፈነወ መደብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቅያ ጅግንነትን ውፉይነትን፡ ተጻዋርነትን ተበላሓትነትን ፍጻመታት ሳሕልን ውቃውን ገናጺልካን ኣንቢብካን ዘይውዳእ ዘይተኸፍተ - ወሰኽን ምጽብባቕን ዘየድልዮ ቅሙጥ ሰነዳት ስለዘሎ፡ ሰነዳት ሰዓት ሰዓትን ሰነዳት መዓልቲ መዓልትን ኩላቶም ግዱሳት ኣቓልቦ ክገብሩሉ ኣዘኻኺሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ብዙሓት ንዝኽሪ ታሪኽ ቃልሲ ተባሂሎም ዝውደቡ ኣጋጣሚታት ኮነ ዝትከሉ ሓወልትታት ሕልፍ ምስ በሉ ስለዝርስዑን ዝዓንውን ቀጻሊ ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ” ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ ኣቓልቦ ከይንፈጎም ብምልባው፡ ንኹሎም ነቲ ጽንብል ሓሳብ ዘፈልፈሉን ንድምቀቱ ኣበርክቶ ዝገበሩን ድሕሪ ምምስጋን፡ “ነቶም ኣብ ሳሕል - ኣብ’ቲ ግንባርን መሬቱን መዘና፡ ቃላትን መግለጽን ዘይርከቦ ሓርበኝትን ጅግንነትን ፈጺሞም ብኽብረት ዓሪፎም ዘለው ጀጋኑ ሓበንን ሞሳን ንዓኹም” ኢሉ። ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ብወገና፡ ንኣገዳስነት’ቲ ጽንብል ኣብ ልክዕ ቦታኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም’ዚ ዓይነት ኣጋጣሚ - እቲ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዘለዎ ዘሐብን ታሪኽናን ሕድሪ ሰማእታትናን ህያው ኮይኑ ንኽነብርን ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክሰጋገርን፡ ሓላፍነትን ሕድርን ዘሰክምን ድርኺት ዝፈጥርን ዕዙዝ ብልጫታት ከምዘለዎ ኣብሪሃ። ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ስራጅ ሓጅ ኣቐዲሙ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ መድረኽ ምርብራብ ናብ መድረኽ መጥቃዕቲ ብምስግጋር፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀላጠፈን ንዓበይቲ ወተሃደራዊ ግጥማት ባይታ ዘንጸፈን ብምዃኑ ዝኽሩ ረዚን ትርጒም ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ነቲ ጽንብል ንምምዕራግ ብቕንዕናን ተወፋይነትን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ብምልኦም መጒሱ። እቲ “ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብምርኢት ካርኒቫል ትካላትን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ሙዚቃዊ ድራማ፡ ግጥምን ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ዘጠቓለለ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ። ብ21 መጋቢት ዝተጀመረ መደባት ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ክሳብ ጽባሕ ሰንበት 23 መጋቢት ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ክቕጽል’ዩ። ነበርቲ ሓዉሲ ከተማ መንሱራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ በበይኑ እዋናት ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝተፈላለየ ንጥፈታት፡ ጽሬት ከባቢኦም ንምዉሓስ ሓያል ማእቶት ከምዘካይዱ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ካብ ተሳተፍቲ’ቲ ወፈራ ኣቶ ሃብቶም መብራህቱን ወይዘሮ ከድጃ መሓመድን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ጽሩይ ከባቢ መግለጺ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ዝተፈላለዩ መንሱራ፡ ነበርቲ ጽሬት ከባቢኦም ንምዉሓስ ኣድማዒ ማእቶታዊ ንጥፈታት ኣካይዶም ሕማማት ኣብ ምግታእ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ተገንዚቦም ከባቢኦም ንምጽራይ ከምዝተበገሱ ብምጥቃስ፡ እቲ ናይ ጽሬት መደብ ማዕረ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዕቱብ ከምዝካይድዎ ኣረዲኦም። ኣቶ እድሪስ ሓምድን ወይዘሮ ሮዚና ወልደማርያምን ብወገኖም፡ ነበርቲ ሓዉሲ ከተማ መንሱራ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ናይ ጽሬት ወፈራ ንረብሓኦም ምዃኑ ተረዲኦም ብተበግሶኦም ከምዝዓምዎ ብምምልካት፡ ንዝያዳ ኣድማዕነትን ጽሬት ከባቢኦም ንምዕቃብን መአከቢ ጎሓፍ ከቕረበሎም ኣዘኻኺሮም። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተኽልያ ኢያሱን ኣማሓዳሪ ሓዉሲ ከተማ መንሱራ ኣቶ ጻዕዱ ሃይለሚካኤልን ብጊደኦም፡ ህዝቢ ዝነብርሉ ቦታን ከባቢኡን ብጽሬት ብምሓዝ ብሰንኪ ጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምግታእ ክነጥፉ ቀጻሊ ጎስጓስን ሓበሬታን ከምዝካየድን ከምዝትግብርዎን ሓቢሩ።

Upload: others

Post on 07-Sep-2020

4 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

መበል 23 ዓመት ቁ. 204 23 መጋቢት ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 2

ሳሕል ደጀንናገጽ 3

ኣብቲ ሳሕል!!

ገጽ 6ዶክተር ጃብር መሓመድ

እድሪስ

ገጽ 5

ኣውገት

2014

ሰንበት

ገጽ 7

ጸሃይነሽ - ምስ

መጉዳእታ ዓወታት እትጎናጸፍ ተቐዳዳሚት!

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝመጹ ዜጋታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ እማህሚመ ብድምቀት ተኻዪዱ።ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ ባህላውን

ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዝማዕረገ - ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ብቐጥታ ዝተፈነወ መደብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቅያ ጅግንነትን ውፉይነትን፡ ተጻዋርነትን ተበላሓትነትን ፍጻመታት ሳሕልን ውቃውን ገናጺልካን ኣንቢብካን ዘይውዳእ ዘይተኸፍተ - ወሰኽን ምጽብባቕን ዘየድልዮ ቅሙጥ ሰነዳት ስለዘሎ፡ ሰነዳት ሰዓት ሰዓትን ሰነዳት መዓልቲ መዓልትን ኩላቶም ግዱሳት ኣቓልቦ ክገብሩሉ ኣዘኻኺሩ።ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡

ብዙሓት ንዝኽሪ ታሪኽ ቃልሲ ተባሂሎም ዝውደቡ ኣጋጣሚታት ኮነ ዝትከሉ ሓወልትታት ሕልፍ ምስ በሉ ስለዝርስዑን ዝዓንውን ቀጻሊ

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ” ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ

ኣቓልቦ ከይንፈጎም ብምልባው፡ ንኹሎም ነቲ ጽንብል ሓሳብ ዘፈልፈሉን ንድምቀቱ ኣበርክቶ ዝገበሩን ድሕሪ ምምስጋን፡ “ነቶም ኣብ ሳሕል - ኣብ’ቲ ግንባርን መሬቱን መዘና፡ ቃላትን መግለጽን ዘይርከቦ ሓርበኝትን ጅግንነትን ፈጺሞም ብኽብረት ዓሪፎም ዘለው ጀጋኑ ሓበንን ሞሳን ንዓኹም” ኢሉ።ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ

ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ብወገና፡ ንኣገዳስነት’ቲ ጽንብል ኣብ ልክዕ ቦታኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም’ዚ ዓይነት ኣጋጣሚ - እቲ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዘለዎ ዘሐብን ታሪኽናን ሕድሪ ሰማእታትናን ህያው ኮይኑ ንኽነብርን ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክሰጋገርን፡ ሓላፍነትን ሕድርን ዘሰክምን ድርኺት ዝፈጥርን ዕዙዝ ብልጫታት ከምዘለዎ ኣብሪሃ።ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ

በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ስራጅ ሓጅ ኣቐዲሙ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ መድረኽ ምርብራብ ናብ መድረኽ መጥቃዕቲ ብምስግጋር፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀላጠፈን ንዓበይቲ ወተሃደራዊ ግጥማት ባይታ ዘንጸፈን

ብምዃኑ ዝኽሩ ረዚን ትርጒም ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ነቲ ጽንብል ንምምዕራግ ብቕንዕናን ተወፋይነትን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ብምልኦም መጒሱ።እቲ “ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ

ግንባር ከም መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብምርኢት ካርኒቫል ትካላትን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ሙዚቃዊ ድራማ፡ ግጥምን ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ዘጠቓለለ መሰናድኦታት

ደሚቑ ነይሩ።ብ21 መጋቢት ዝተጀመረ መደባት

ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ክሳብ ጽባሕ ሰንበት 23 መጋቢት ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ክቕጽል’ዩ።

ነበርቲ ሓዉሲ ከተማ መንሱራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ በበይኑ እዋናት ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝተፈላለየ ንጥፈታት፡ ጽሬት ከባቢኦም ንምዉሓስ ሓያል ማእቶት ከምዘካይዱ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ካብ ተሳተፍቲ’ቲ ወፈራ ኣቶ

ሃብቶም መብራህቱን ወይዘሮ ከድጃ መሓመድን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ጽሩይ ከባቢ መግለጺ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ዝተፈላለዩ

መንሱራ፡ ነበርቲ ጽሬት ከባቢኦም ንምዉሓስ ኣድማዒ ማእቶታዊ

ንጥፈታት ኣካይዶም

ሕማማት ኣብ ምግታእ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ተገንዚቦም ከባቢኦም ንምጽራይ ከምዝተበገሱ ብምጥቃስ፡ እቲ ናይ ጽሬት መደብ ማዕረ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዕቱብ ከምዝካይድዎ ኣረዲኦም።ኣቶ እድሪስ ሓምድን ወይዘሮ

ሮዚና ወልደማርያምን ብወገኖም፡ ነበርቲ ሓዉሲ ከተማ መንሱራ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ናይ ጽሬት ወፈራ ንረብሓኦም ምዃኑ ተረዲኦም ብተበግሶኦም ከምዝዓምዎ ብምምልካት፡ ንዝያዳ ኣድማዕነትን

ጽሬት ከባቢኦም ንምዕቃብን መአከቢ ጎሓፍ ከቕረበሎም ኣዘኻኺሮም።ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ

ጥዕና ናይቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተኽልያ ኢያሱን ኣማሓዳሪ ሓዉሲ ከተማ መንሱራ ኣቶ ጻዕዱ ሃይለሚካኤልን ብጊደኦም፡ ህዝቢ ዝነብርሉ ቦታን ከባቢኡን ብጽሬት ብምሓዝ ብሰንኪ ጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምግታእ ክነጥፉ ቀጻሊ ጎስጓስን ሓበሬታን ከምዝካየድን ከምዝትግብርዎን ሓቢሩ።

Page 2: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ዮሃንስ ሃይለምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሳሕል ደጀንና

ድሕሪ ቤት ትምህርቲ ካድር ናብ ደጀን ምስ ተሳሓብኩ፡ ኣብ ከረን መምህር ኰይነ እሰርሕ ነይረ። ኣብኡ ከኣ ጉጅለ ባህሊ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብቲ ጥቓ ቤት ትምህርቲና ስለ ዝነበረ ኣብ ዝዀነ

ምርኢት፡ በዓል መምህር ባዱሪ ምስ’ቶም ባህሊ ኰይነ ከም ዝደርፍ ይገብሩ ነበሩ። ብኸም’ዚ እታ ደርፊ ህብብቲ እናዀነት መጺኣ። ድሕሪ ምዝላቕ ከኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጉጅለ ባህሊ ቀያሕቲ ዕምባባ ኣትየ። እዛ ደርፊ ክሰምዓ ከለኹ፡ ካብ ኣንፊ

ከተማታትና ኢና ተመሊስና። ግን ከኣ እቲ ሰብ ከይጠፍእ ይዕቀብ። ንኣብነት ኣብ መጀመርያ ምዝላቕ፡ ካብ ዓራግ ናብ በዓል ሓወልዕ ክንወርድ ከለና፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ሓንቲ ሓይሊ ድያ ቦጦሎኒ ኣይዝክራን፡ ነቲ ሰለማዊ ህዝቢ ምሕላፍ ከሊኣቶ። ኣብ ዓራግ ኮፍ ኢልና። ወረቐት ተሰዲዱዎም፣ ዝረዳድእዎም ሰባት ከይዶሞም ምስ ኣብዩ፡ ካብ’ቲ ግንባር ሓንቲ ሓይሊ መጺኣ ሃጂማ ነቲ ህዝቢ ኣሕሊፋቶ። ኣብ’ቲ እዋን ሓይልታትና ኣብ ግንባር ተወጢሩ’ዩ ነይሩ። እቲ

ቦታ ንሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ቀረባ’ዩ። በዓል ማርሳ ጉልቡብ፡ ማርሳ ተኽላይ፡ ቃሩራ፡ በሪጠ ብሓፈሻ እዚ ወዲ ትኹል ዝደረፈሉ ጎልጎል ኣውገት፡ ክራይ ዝበሃል ዳርጋ ኣብኡ’ዩ ዘሎ እቲ ኩሉ ህዝቢ። ብዓራግ ገይሩ ኣብ’ቲ ክዕቆበሉ ዝተደልየ

ጀልሃንቲ’ዩ ክኣቱ። ሽዑ ዝረኣየኒ ከኣ ሰብ ኩሉ ንድሕሪት’ዩ ዝምለስ ነይሩ። እቲ ሰብ ኩሉ ግዜ ኣሎ ህሉው’ዩ። ኣብ’ቲ ዝሓደሮ ቦታ ከም ጻጸ ክሰርሕ ይሓድር። ወላ ገዲፉዎ ክኸይድ ምዃኑ እናፈለጠ። ገለ ሰባት ድማ ናብ ካልእ ቦታ ንስራሕ ይኸዱ’ሞ፡ ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ “ጣዕጣዕ” ኣቢሎም ይምለሱ። እቲ ዕቃበ ሓይሊ ሰብ ግን ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ኣብ ምዝላቕ ቦታታት ጥራይ ኢና ገዲፍና መጺእና። እቲ ኩሉ ሰብ ድማ ኣብ ሳሕል’ዩ ዘሎ። ጸላኢ ከኣ

ንሳሕል’ዩ ዝወርር ነይሩ። ስለ’ዚ እታ ናይ ብሓቂ መድሕንና ዝዀነት ሳሕል’ያ ቅጅል ትብለኒ። እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ሓሳባት፡

ብፍላይ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰብ’የ ዘካፍሎ ነይረ። ካልኣይ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ሳሕል ንዝመደበርና ሰባት ከጥፍኡ ዝመጽኡ ገዛእቲ፡ ‘ሳሕል ኣለናያ፡ ክንጸሓ ኢና እብሎም። እታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሳሕል ዘለኻ ከኣ ሓደራኻ ንሳሕል ኣይተድፍራ ዝብል መልእኽቲ ኣሕልፍ ነይረ። ቦታታት እናጠቕስካ ክትገጥም ከለኻ፡

ሰብ ነቲ ቦታታት ምስ ካልእ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ክሰምዖ ስለ ዝኽእል ስእሊ ክፈጥር ይኽእል። ቦታታት ምጥቃስ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ። ግን ብመሎዲን ሙዚቃን ተሰንዩ ይግለጽ ስለ ዘሎ፡ ካልእ “ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ

ዝተፈጸመ፡ ወዲሰብ ክፍጽሞ ዘይክእል ስራሓት ዝያዳ ስምብራት ይገድፍ። እዛ ደርፊ መጀመርታ ኣብ

ዝተደርፈትሉ እዋን፡ ስምዒቶም ምቁጽጻር ዝሰኣኑ ተጋደልቲ ነይሮም። ኣብ ስቴጅ ክትደርፋ ከለኻ ከይተረደኦም ብስምዒት ብረት ዓሚሮም ይመጽኡኻ። ንሳቶም ንላዕሊ ክትኩሱ እዮም ዝሓስቡ፡ ግና ከይተረደኦም ናብ ሰብ ይቐንዕ እቲ ብረት። ንኣብነት ኣብ ብድሆ እናርኣና ከለና ብሬን ብዓባያ ዝዓመረለይ ሰብ ነይሩ። ሰለስተ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ልዕሊኡ ወዲቖም እንተዘይሕዝዎ ሓደጋ ክኸውን ምኸኣለ። ንሱ ስምዒቱ ንምግላጽ እምበር፡ ናባይ ክትኩስ ኢሉ ኣይኰነን። ኣብ መድረኽ ጠጠው ኢለ ክደርፍ እሞ ድማ ስንኩል ብምዃነይ፡ ስምዒቱ ምቁጽጻር ስኢኑ ክኸውን ይኽእል። ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ዘሕልፎ ዝነበረ፡ ጸበባ፡ ላዕልን ታሕትን፡ ውግእን ከልበትበትን፡ ማሕበራዊ ሂወቱ. . . ጽሙቕ ኣቢልካ ‘እዚ ኢኻ ንስኻ’ ክትብሎ ከለኻ ኣብ ስምዒት ክኣትወላ ዝኽእል ህሞት ይፍጠር። ወላ ኣብ’ቶም ገባር’ውን ከምኡ። ኣብ’ቲ ሂወት ስለ ዘሎ መዓልታዊ ስዉእ ይቐብር፡ ውጉኣት ይስከም፡ ዋርድያ ተገቲሩ ይሓድር፡ ምግብና ይወጽኣ. . . እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰብ ኣካል ናይ’ቲ ሂወት እዩ። ነቲ ሂወቱ ኢኻ ድማ ትነግሮ። ስነ ጥበብ ከኣ፡ ብዘይካ’ቲ ኣንፋቲ ስርሑ፡ ንህሉው ኩነትን መንነትካን ኣጉሊሑ ስለ ዝገልጽ’ዩ መልእኽቲ ናይ ምትሕልላፍ ብቕዓቱ ልዑል ዝኸውን። ድሕሪኣ

ካብ ዝደረፍኩወን ደርፍታት ከኣ ንሳ’ያ እትኸብደኒ። ኣብ ትዝታ እጥሕል። ኣመላልኣኣ መካኒካል ስለ ዝነበረ

ግዜ ዝወስድን ኣድካምን’ዩ ነይሩ። ንጹርነቱ እውን ምስ’ቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ደርፍታት ዝወዳደር ኣይኰነን። ብዓይነት ሙዚቃ’ውን ናይ ክልተ ጫፋት ፍልልይ’ዩ። • ትሕዝትኡን ቀጻልነቱን የርኢ ኣሎ።

ስለ’ዚ እቲ ናይ ቀደም ደርፍታተይ ገላጽን ንጽባሕ ዝሓድርን ክንይኡ ዝኸይድ ፍርያት ንኽሰርሕ ይምህረኒ’ዩ።• ዓሚ ኣብ ኣፍዓበት ምስ ደረፍኩዋ፡

እቶም ብቐረባ ነታ ደርፊ ዝፈልጥዋ፡ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘለዉ፡ ሓልፍቲ ይኹኑ ተራ ክነብዑ ርእየዮም። ኣነ’ውን ብተፈጥሮይ ነባዕ ኣይኰንኩን ሽዑ ግን ነቢዐ። እቲ ኣብ’ቲ እዋን ዘሕለፍካዮ

ሂወት ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሰኣል። ትዝክር፡ ትናፍቕ፡ ትዝታታት ይዕብልሉኻ። ዝተደባለቐ ስምዒታት’ዩ ዝስመዓካ። ምኽንያቱ እዚ ደርፍታት እዚ ዝድረፈሉ ዝነበረ እዋንን ሕጅን ዘሎ ንቕሓት ኤርትራዊ ግምት ተእትዎ። ሎሚ ሰገጥ ዘብለካ ነገር ይርኣየካ። ንገዛእ ርእሱ እቲ ህርመታት’ውን እናጠፍአ፡ “live” ክቕጽል ዝግበኦ፡ ኣስቂጡ ምኻዱ ይስምዓኒ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ነቲ ናይ ገድሊ ደርፍታት ክደርፎ ከለኹ፡ እቲ ደርፊ ኣብ ቃልሲ ብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ይኹን ንሱ ብዝተጻወቶ ተራ፡ እቲ ኩሉ ሕሰም ናይ ቃልሲ ሓሊፉ፡ ነዛ ሃገር ብዓይነይ ክርእያ ብምብቀዐይ ከኣ በቲ ሓደ ወገን የሐጉሰኒ። ወላ’ኳ ባህርያዊ እንተዀነ፡ ነዚ

እንክዝክር ሃጓፍ ከም ዘሎ ይስመዓኒ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ መንእሰያት ይረኣዩኒ። እቲ ኣነ ዝፈልጦ ቦታታት፡ ቁምጣ ዝገበሩ መንእሰያት ወላ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን፡ ናጽነት ከይመጸ ተንከስ ኢልና ካብ’ዚ ኣይንኸይድን ኢና ኢሎም ኒሕ ተቐኒቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት የለዉን። እቲ ደርፍታት ነዚ ታሪኽ ስለ ዘዘከረኒ ‘የሐጉሰኒ እወ’ ጥራይ ክብል ኣይክእልን። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ታሪኻዊ ሰብ ክትከውን ብምብቃዕካ ትሕበን። • ስለ ዝዀነ፡ ንእስነትካ ህጻንነትካ

ዘሕለፈ ቦታ ስለ ዝዀነ ብቐዳምነት ንሱ’ዩ ዝዝከር። ሎሚ ጊታር እንተድኣ ሒዘ፡ ብቐጥታ እቲ ናይ ቀደም ደርፍታት’ዩ ዝመጽኣኒ። ብእኡ’የ ኢደይ ዝፈትሕ። ዝኾነ ተጋዳላይ እንዶ ኣስተብህሉሉ፡ ዕላሉ እኮ ንሱ’ዩ። ኣብ ከምዚኣ ቦታ ከለና ትዝክራዶ?. . . እናበለ ብተመስጦ’ዩ ዘዕልል። ኣቦሓጎታትና ክንሰምዖም ከለና፡ ብዛዕባ’ቲ ዘሕለፍዎ ሂወት እዮም ዘዕልሉ። እቲ ተጋዳላይ ከኣ ዝያዳ ይደላለ። ከዕልልን ክዘናጋዕን ከሎ ገለ እቲ ንእስነቱ ዘሕለፈሉ ሂወት ክረኣዮ ባህርያዊ’ዩ። ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር’ዩ ኣሕሊፍዎ። ልክዕ ከም’ዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ተጀመረ 1 ወራር ወያነ 2ይ ወራር 3ይ ወራር ነቲ ሽዑ ዝነበረ መንእሰይ ዝረኣዮ፡ ነቶም ተጋደልቲ ዝረኣየና ናይ ዝኽሪ ፊልም’ውን ከምኡ’ዩ። እቲ ዝሓለፈ ዝያዳ

ይብሕተካ። እናሓለፍካዮ ዝመጸ ስለዝኾነ . . • ብልክዕ እቲ እዋን ሕሱም

እዩ ነይሩ። ነቲ ብደገ ኮይኑ ዝርእዮ’ዩ እምበር እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ግን፡ ስለ ዝመቀሮ ጥራይ’ዩ ዝቕጽል። እቲ ወዲ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ነገራት ምግባር ንዕኡ ምቁር እዩ። ኣሚኑ፡ ብድሌትን ተበግሶን እዩ ዝገብሮ ነይሩ። ሓንሳብ እምነት ኣብ ልቡ ምስ ገበረ ሰገጥ እውን ኣይበለን። መገዲ ጠፊእዎ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝበጽሐ ሰብ እኮ’ዩ ዝገበረ ገይሩ ናብ ኣሃዱኡ ዝመጽእ ነይሩ። ተመሃሮ ቤት ትምህሪ ሰውራ ናብ ሓይልታት ተዘይከድና እናበሉ፡ “ትምህርትኹም

ቀጽሉ ኣብ’ቲ ዘድልየሉ እዋን ናብ ግንባራት ክንሰደኩም ኢና እናተባህሉ፡ ምእንቲ ናብ ሓይልታት ክውዝዑ ኢሎም ጠፊኦም ናብ ሱዳን ብምኻድ፡ ገሊኦም ኣብ በረኻታት እናቐነዩ እዮም’ኮ ደሓር ከም ሓደስቲ ኰይኖም ክፍሊ ታዕሊም ይኣትዉ ነይሮም። ምእንቲ ክዋግኡ ማለት’ዩ። እቲ ሓያል ድልየት ዘበገሶ ናይ ምጽልላው “process” (መስርሕ) ነይሩ። እዚ ምጽልላው ድማ ብብዙሕ መንገዲ’ዩ ዝመጽእ። ብባህላዊ ጉጅለታት፡ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ብእተርእዮ ሓልዮት፡ ምቅብባል ዲስፕሊን. . . ዘዝመጸ ሰብ ክስዋእ እምበር ጠጠው ክብል ዝደሊ ኣይነበረን። ሂወትካ ንኸብቕዕ፡ እናፈለጥካስ ካልእ ሰብ ንኸተድሕን ኢልካ ቀዲምካ ትኸይድ። እቲ ዝበረኸ ንቕሓት ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይ ዓለም ሽዑ ኣብ ኤርትራ’ዩ ነይሩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።

2ይ ክፋል

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

Page 3: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2014 - ገጽ 3

ኣብቲ ሳሕልኣብቲ ጥምጥም.. ሕልኮ ንሕልኮኣብቲ ምስታዂ.. ኣብቲ ዕራርቦ

ድፋጭኡ ኣስቲኻ.. ሓመድ ከተጽግቦኣብ መጻወድያ ሳሕል ብዙርያ

ከተኽብቦ

ኣብቲ ኣእሿኽ … ኣብቲ ተኾርባ…ኣብቲ ዝባን … ኣብቲ ሩባኣብቲ ጎልጎል … ኣብቲ እምባተኣምር ሰሪሕካ ..ዓለም ከተዛርባ፡

ኣብቲ ጋሃነም … ድቕድቕ ጸላምኣብቲ ኣጻድፍ.. ኣኻዉሕ ተገዳምኣብቲ ህቦብላ .. ህልቂታዊ መስርሕሽግር ጋሊህካ … ብርሃን ክትደጉሕ

ኣብቲ ጎቦታት.. ሰንሰለታዊ ኣኽራናትብብልሖም ዝዛረቡ … ዓበይቲ ታባታት

ድምጽኻ ከተስምዕ …ብእምብልታ ካላሽናትብዓይንኻ ክትርኢ …ናይ ጸላኢ ኣዉያት

ኣብቲ ህልቂት… ኣብቲ መሳልልብቐላጽም ዳንጋኻ .. ክትህንድስ ጎላጉልጸላኢ ሃሚኹካ .. ሰላም ክትድብል

ኣብቲ ሩባታት .. ማራት ኦድጋኣብቲ ሰንሰለት… ኣብቲ ሜዳ

ከተርግፎም ንጸላእቲ .. ብጠያይት ኣድራጋቀብሪ ዉቃዊ እዝ … ከተግህድ ብኣጋ

እወ!ኣብቲ ሳሕል .. ከም ሃገር

ኣብቲ ከም መንግስቲ… ህዝባዊ ግንባርዉቃዊ እዝ ክድምሰስ.. ህላዉነቱ ክቕበር

ጸላኢ ተሳዒሩ .. ናጽነት ክብሰር

ኣበዶም ማጆርኮማዊ ኮለጅ ኣስመራ

Page 4: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2014 - ገጽ 4

ደራሲ፡ እስቲፋን ዝዊግ፡ ተርጓሚ ኣማረ ወልደስላሰ፡

ራብዓይ ክፋል

ቡኽ መንደል ኣብ ዩኒቨርስቲ ፕረስተን ዝርከቡ

ኣከብቲ ቅርሲ፡ ንመንደል ምሳና ስራሕ ክብሉ ዓዲሞሞ’ዮም። ኣይተቐበሎምን። ንወፈያኦም የቐንየለይ ብምባል ነጸጎ። ንሱ፡ ኣብታ ቤት ሻሂ ግሉክ እትርከብ ቤት ጸሕፈቱ ኰይኑ ምዕያይ መረጸ።

ንሱ፡ ካብ ግላሽያ ናብ ቭየና ቅድሚ ሰላሳ ዓመት’ዩ መጺኡ። ሽዑ፡ ኣብ መንከሱ ጸሊምን ልምሉምን ጭሕሚ ከብቍል ዝጀመረን ኣብ ማእከል ጸጕሩ ካብ ዝርከብ ጸጕሩ ቀለቤት ዘንጠልጠለን ወዛል መሰል መንእሰይ’ዩ ዝነበረ።

መንደል፡ ብጻውዒት ሓደ ካህን‘ዩ ናብቲ ስፍራ መጺኡ። ኣይደንጐየን ግን፡ ንጽኑዕ እምነቱ ራሕሪሑ ኣምልኾ ብዙሃን ክኽተል ፈለመ። ብኡንብኡ ኸኣ መጻሕፍቲ ኣፍቀረ። ከም ቤት ጽሕፈቱን መተዓየዪቱን ንእተገልግሎ ቤት ሻሂ ግሉክ ምስ ረኸበ ድማ በደስታ ኣተዋ። ድሕሪኡ ዓለሙ ንሳ ጥራይ ኰነት።

ሊቃውንቲ ስነ ህዋ ኣብ ሓደ ስፍራ ኰይኖም ንከዋኽብቲ እንክምርምሩ፡ ንሱ ድማ ንመጻሕፍቲ ይውከስ ነበረ። ንሶም ብመርኣዪ ርሑቖም ንህዋ ኰለሉ። ንሱ ድማ ብመነጽሩ ንዓለም ወረቓቕቲ ፈተሸን። ንሶም፡ ኣብ ሓደ ስፍራ ኰይኖም፡ ንሱ ድማ ኣብ መንበሩ ተዀይጡ ንስራሑ ኣሰላሰለ።

ኣብቲ ቤት ሻሂ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ሰደቓ ኣሎ። እቲ ሰደቓ ከም መቐበሊ ሕሳብ የገልግል። ብዝተሸቀጠ ገበር ዝተሸፈና ክልተ ቢልያርዶ ኸኣ ኣለዋ። ካብ ነሓስ ዝተሰርሓ ቢኬሪታት’ውን ኣለዋ። እዘን ኣቑሑ ኵሉ መዓልቲ ኣብኡ ኣለዋ። መንደል’ውን ካብአን ኣይፍለን።

ንሱ፡ ንዝበዝሐ ክፋል ዕድመኡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ገዛ ኣሕለፎ። ጣውላኡ፡ ከም ቅድስቲ ስፍራ ትሕሰብ፡ ትሕሎን ትብጻሕን። ምስኡ ክራኸቡ ዝመጹ ሓያሎ ኣጋይሽ ብዙሕ ይሕሽሹ። ልዑል ፍልጠቱ ዝፈጠሮ መኽሰብ፡ ኣብ ሽምጢ ድብለር እተባህለ ኣሰሳዪ፡ ናብ ዝተንጠልጠለት ቈረባበሻ እዩ ዝኣቱ።

መንደል’ውን ውሒዱ እምበር፡ እንሓንሳብ፡ ሓለፋታት ይረክብ’ዩ። ፈለማ፡ ኣብቲ ገዛ ንዝተተኽለት ስልኪ ይግልገለላ። ብኣድራሻ

እቲ ቤት ሻሂ ይጥቀም። ሓንቲ ሰራሕተኛ ንጽህና’ቲ ትካል’ውን ክዳውንቲ ትጩቕጭቐሉ። ካብ መላጕም ጁባኡ፡ ዝተበትከት እንተልያ ኸኣ ተልግበሉ።

ካብ ደገ ተገዚኡ ዝመጽእ ምሳሕ ዝእንገድ ጋሻ ንሱ ጥራይ’ዩ። ኣይተ ስታንድ ብወገኑ፡ ሓኪም ከም ዝኣዘዘሉ፡ ንግሆ-ንግሆ ናብ ጣውላኡ ቀሪቡ፡ “ደሓንዶ ሓዲርካ!” ካብ ምባል ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። እንተዀነ፡ እቲ ወትሩ ኣብ ንባብ ዝጥሕል መንደል ሳሕቲ ጥራይ’ዩ ዘስተብህለሉ።

ንሱ፡ ኵሉ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓ ምስ ኣኸለ ናብ ስራሕ ይኣቱ። መብራህቲ ክሳዕ ትጠፍእ ኣ ብ ኡ

ይጸንሕ። ምስ ካልኦት ኣ ጋ ይ ሽ ኣ ይ ራ ኸ ብ ን ። ጋዜጣ ምንባብ ኣይፈቱን። ለውጢ ምህላዉ ኣይፈልጥን። ክንዲ ዝዀነ፡ ብውሑዱ መብራህቲ ከም ዝተቐየረ ፈጺሙ ኣየስተብሃለን።

ሓደ እዋን ኣይተ ስታንድ ሃርትነር ናብኡ ቀረበ። “ብረስኒ ካብ ዝውላዕ ኵራዝ ብሓይሊ ኰረንቲ ብዝበርህ መብራህቲ፡ ክተንብብ ኣይሓይሽንዶ?” ክብል ብትሕትና ተወከሶ። መንደል ኣንቃዕሪሩ ጠመተ። ነቲ ሓዲሽ መብራህቲ ኸኣ ብኣግርሞት ተመልከቶ። መንደል፡ ነተን ከበብቲ መነጽሩ

ፊደላት ንምንባብ ጥራይ’ዩ ዝጥቀመለን። ንሱ ኣብ ከባቢኡ ንዝፍጠር ክስተት ከም ዘይጠቅም ድምጺ ቈጺሩ ብዕሽሽታ ይሓልፎ። ሰላሳ ዓመት ምሉእ፡ ካብዛ ጣውላኡ ከይተፈልየ፡

መጻሕፍቲ ኣንቢቡ፡ ኣወዳዲሩ፡ ኣነጻጺሩን ኣስተማቒሩን።

እዚ ሕልሚ ዝመስል ሰብ ካብ በይናዊ ዓለሙ ዝዕንቀፍ ኣብ እዋን ድቃሱ ጥራይ’ዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን! በሉ እምበኣር፡ ነዚ መስተንክረኛ ሰብ’የ ረሲዐልኩም ጸኒሐ። ብተግባረይ እናሓፈርኩ ድማ ኣብ ድሕሪ’ቲ ቤት ሻሂ ናብ

ዝርከብ ስፍራ ኣምራሕኩ።

ኣብቲ ስፍራ፡ ያቆብ መ ን ደ ል መ ል እ ኽ ቲ ዘመሓላልፈሉ እምነበረዳዊ ጣ ው ላ ነይሩ።

እንተዀነ ከ ም መቓብር፡ ጸምዩ ከም ዘሎ ኣስተብሃልኩ። ረዓድኩ ኸኣ። ገለ ኣገዳሲ ሰብ ካብ ቦታኡ ምስ ተኣልየ፡ ብዙሕ ቍም ነገር ከም ዝጠፍእ እፈልጥ’የ።

ሳላ ተመኵሮ ብዙሕ ቀሲመ’የ። እዛ ዓለም ኣሰልካዪት እንክትከውን፡ እቲ ዝጐደለ ብርቂ ሰብ ይዓዝዝ። መንደል መሪሑኒ’የ፡ ናብ ጽላለ ገጹ ዘድሃበ ክቱር ኣቓልቦን ኣፍቅሮተ እንኮ ክስተትን ሕሉፍ ብቕዓት ከም ዝፈጥሩ ዘስተብሃልኩ።

ርግጽ’ዩ፡ ዕዙዝን ሓያል መንፈስን ምፍጣር ከም ዝከኣል ገጠምቲን ካልኦት ጸሓፍቲን ይምህሩ’ዮም። ኣነ ግን፡ ሓቂ ‘ሓይሽ ኣብ ቤት ሻሂ ግሉክ

ካብ ዝተሸኵዐ ሸያጢ ብላይ መጻሕፍቲ’የ ዝተመሃርኩዎ።

ምስ መንደል ቅድሚ ምርኻበይ፡ ከም ዓቕመይ ሒደት መጻሕፍቲ ገንጺለ’የ። ኣብ ሓደ ሓሳብ ብምጥሓል፡ ብቕዓት ከም ዝጥረ ዘተንብሁ ዓንቀጻት’ውን ክረክብ ጸኒሐ’የ። ህንዳውያን መለኽቲ ዮጋን ፈለስቲ ማእከላይ ዘመንን ኣብ ሓደ ነገር ብምትኳር ልዑል ብቕዓት የጥርዩ ከም ዝነበሩ’ውን ሓበሬታ ነይሩኒ። ነጥበ መቐይሮ ክረክብ ዝኸኣልኩ ግን፡ ምስ መንደል ምስ ተራኸብኩ ጥራይ’የ።

እንተዀነ፡ ድሕሪኡ ፡ ኲ ና ት

ብዘስዓቦ ጸ ቕ ጢ ፡

ኣብ ዕዮታተይ ተጸመድኩ። በዚ ኸኣ፡

ንዘይርሳዕ ሰብ ክሳብ ምርሳዕ በጻሕኩ። ነታ ዝባደመት ጣውላኡ ብዝረኣኹ ሕፍረት ወረረኒ። እቲ ዝተፈጥረ ሕንከት ሃለዋቱ ንምፍላጥ ደፋፍኣኒ።

“እንታይ እዩ ወሪዱዎ?” ናብ ሓደ ኣሳሳዪ ቀሪበ ኣጣየቕኩሉ።

“እይፋልኩምን ጐይታይ፡” ክምልሰለይ ጀመረ፡ “ኣይትሓዙለይ ደኣ እምበር መንደል ዝበሃል ስም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ኣብ መንጎ ኣዘውተርቲ እዚ ትካል፡ በዚ ስም’ዚ ዝፍለጥ ሰብ የለን። ምስ ሓለቓ ኣሳሰይቲዶ ከራኽበኩም?” ብምባል መለአ።

“መንደል፡” በለ ሓለቓ ኣሳሰይቲ። ድሕሪ ብዙሕ

ምሕሳብ ድማ ዘረባኡ ቀጸለ። “እሓዝን ጐይታ፡ ብዛዕባ’ዚ ትብሎ ዘለኻ ሰብ ወላ ሓንቲ ኣይሰማዕኩን። ኣይተ መንደል ዝበሃል ሰብ ከም ዘሎ ብርግጽ እፈልጥ’የ። ንሱ፡ ወናኒ ትካል ስርሓት ሓጺን’ዩ። ምናልባትዶ ተጋጊኻ ትኸውን?” ብምባል ተገልቢጡ ሓተተኒ።

ኣይመለስኩሉን። ትም ኢለ ሓዘንኩ። ሕሉፍ ተረሳዓይ ብምዃኑ ኣተሓሳሰበኒ። ግዜ ናብ ቅድሚት እንክምርሽ፡ ከም ህቦብላ ንኣሰርና እናሰዓበ፡ እጹብ ድንቂ ዝዀነ ታሪኽ ዝድምስስ እንተ ዀይኑ፡ ምንባር እንታይ ፋይዳ’ለዎ?

ቅድሚ ሰላሳ ደሓን ከኣ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ገዛ ሰብ ነይሩ። ሰብ ንሰቡ ኸኣ ዘስተንፍስ፡ ዘንብብ፡ ዝሓስብን ዝዛረብን ብሉጽ’ኳ ደኣ። ታሪኽ’ዩ ተደጊሙ። ንቕዱስ ዮሴፍ ዘይፈልጥ ንጉስ ኣብ ሃገረ ምስሪ ተቐቢኡ ተባሂሉ እንድዩ።እነሀ ሎሚ ድማ፡ መንደል

ዝበሃል ስም ኣይንፈልጥን ዝብሉ ሰባት ተረኺቦም። ኣይ ግዜ! ዝፈተንኩ እንተፈተንኩ ቀበጽኩ። ኣብ መወዳእታ ምስ ኣይተ ስታንድ ሃርትነር ወይ ምስ ገዲም ሰራሕተኛ ከራኽበኒ ንሓለቓ ኣሳሰይቲ ሓተትኩዎ።“ኣይተ ስታንድ ሃርትነር ደኣ

ኣበይ ኣሎ። ንሱ ነዚ ትካል ቅድሚ ዓመታት ሸይጡዎ’ዩ። መይቱ’ዩ ኸኣ። እቲ ገዲም ሓለቓ ኣሳሰይቲ ድማ ቦታ ቀይሩ’ዩ። ዝኣክል ስለ ዝዋህለለ ትካል ከፊቱ ኣብ ክረምስ ዝበህል ዓዲ ኣትዩ ናብራኡ ይመርሕ ኣሎ። ብዙሕ ኣይትድከም ጐይታ ካብ ሰራሕተኛታት ቀደም ኣብዚ ገዛ’ዚ ዝተረፈ ሰብ የለን። ርግጽ፡ ሓንቲ ፍራው ስፓርቺል እተባህለት ኣረጊት ሰበይቲ ኣላ። ንሳ፡ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ’ያ። ኣብዚ ትካል’ዚ ብዙሕ ከም ዝጸንሐት እፈልጥ’የ። እንተዀነ ካብኣ የድሕንካ! ነዚ መንደል እትብሎ ሰብ ፈጺማ ኣይትዝክረልካንያ። ንዓኻዶ ጠፊኡካ፡ ከምአን ዓይነት ስባትኮ፡ ነቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ፈልየን ዘይክእላ ፍጥረታት’የን።” ክብል ዘቕብጽ ሓበሬታ ነገረኒ። “ያቆብ መንደል ብቐሊሉ

ዝርሳዕ ኣይኰነን።” ብዕምቆት ኣስተንፈስኩ። ኣስዕብ ኣቢለ ኸኣ፡ እዛ እትብላ ዘለኻ ኣረጊት ኣብዚ እንተልያ፡ ምስኣ ከዕልል ምደለኹ፡” በልኩዎ። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ፡ ሓንቲ ሰያብ፡ ምህምንቲን ከቢድ ዘራግጻኣን ሰበይቲ ተጸዊዓ መጸት።

Page 5: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2014 - ገጽ 5

እዛ “ኣውገት” ዘርእስታ ደርፊ፡ ድሕሪ ምሕራር ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ወይ’ውን ምድምሳስ ውቃው እዝ ዝተደርፈት፡ ነቲ ናይ ሽዑ መስተንክር ፍጻመ ብዛንታ እትገልጽ’ያ። ሎሚ - ኣውገት እንክትስማዕ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ’ቲ ሰፊሕ ጎላጉልን ኣጻምእን ደማዊ ውግእ ዘካየዱ፡ ንዕርድታቶም ከም ቤቶም ዘፍቅሩ፡ ሓያሎ ብጾቶም ዝቐበሩ፡ ኣብ ሓድሕዶም ብብጻይነታዊ ፍቕሪ ዝማሞቑ፡ ንሕሰም ናብ ንቡር ቀይሮም ናብራ በረኻ ዘመቀሩ፡ ኣካላቶም ኣብኡ ዘንጠቡ ናይ ሓርነት ልኡኻት ... ናብ ትማሊ መሊሳ፡ ብሕብራዊ ትዝታታት ተመሊኦም ከም ዝዕዘሩ ክትገብር ተዓዚብና። ናይ’ቲ እዋን ኣባል ማእከላይ

ጉጅለ ባህሊ ድምጻዊ ወዲ ትኹል፡ “እዛ “ኣውገት” እትብል ዜማ፡ ኣብ ጽዕጹዕ ኩነታት፡ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ኣብ’ቲ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ዘዋስኖ፡ ሰፊሕ ዕርዲ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ “ውቃው እዝ” ብምዑታት ተጋደልቲ ነበረ ምስ ኰነ ነቲ ታሪኽ ንምዝንታው ኣብ ሓጺር ግዜ ዝሰርሓ ደርፊ ምዃና ኣዕሊሉና። ወዲ ትኹል “ደርፍታት ገድሊ ምስ ታሪኽ ገድሊ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ቀቅድሚኡ እውን ብጉጅለታት ባህሊ በራጊድን ካልኦትን፡ ንዝትፈላለየ ሂወት ናይ’ቲ ግንባር ዝገልጽ፡ ከም በዓል ጥርዚ - ጥርዚ ጥግሕ፡ ታባ ሃጸይነት . . . ዝብል ዜማታት በብዘለዎ ይወጽእ ነይሩ እዩ። ኣውገት ድማ ንመጥቃዕትን ዓወትን ናይ’ቲ ግንባር እትምልከት ደርፊ’ያ” ይብል። ኣብ አእዋኑ ዝፈረዩ ደርፍታት

ገድሊ፡ ብሰንሰለት ታርኽ ገድሊ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ብዛዕባ ዕርድታት ተጋዳላይ፡ ቅያታት ገድሊ፡ ዓመጽ ወራራት. . . ድማ ይነግሩ። ኣውገት እውን ኣብ መስርዕ ታሪኽ ደርፍታት ገድሊ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ዛንታ ጸይራ፡ ኣብ ኣእምሮ ኣእላፍ ተሰኒዳ ኣላ። ወዲ ትኹል እንታይ ክነግር

እዩ ደሪሱዋን ደሪፉዋን - “ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ማእከላይ ጉጅለ ባህሊ እየ ነይረ። ንህዝብና ክነርኢ ንወጻኢ ንመላለሰሉ እዋን ስለ ዝነበረ ከኣ፡ እቲ ኩነታት እናተኻየደ ኢና ካብ ሱዳን ተመሊስና። እቲ ዓወታት ምስ ረኣኹዎ፡ ክሳብ ክንደይ ሩፍታ ዝህብ ከም ዝነበረ ኣስተንቲነዮ። ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንበዓል ኣውገት፡ ማርሳ ተኽላይ ኮታ ንምሉእ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ብምቁጽጻር፡

ብኻልኦት ግንባራት እውን ከምኡ እናጽበበ፡ ኣብ መሓንቖ ንኸእትወና እዩ፡ ነቲ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ዘለዎ ግንባር፡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል

ብእልቢ ዘይብሉ ሰራዊትን ኣጽዋርን ረግሪጉ ሒዙዎ። ጸላኢ ህላወና ንሓዋሩ ንምሕካኽ ካብ ዝሓንጸጾም ሓደገኛ ስትራተጂታት፡ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓደ እዩ። ነዚ ስትራተጂ ንምፍሻልን፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ንምድኻምን ከኣ ዘይተኣደነ ግዚ ኣጥፊእና። ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊልና። ህዝባዊ ሓይልታት፡ ካብ’ቲ ካብ ጸላኢ ዝፍነወሉ ንዝነበረ ትንፋስ ዘይህብ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ስኑ ነኺሱ ዝመከተሉ ዕርድታት ወጺኡ፡ ናብ ከጥቅዓሉ ዝኽእል ዓቕሚ ተሰጋጊሩ፡ ንኽንድኡ ዝኣክል ግንባር ምሉእ ብሙሉእ ፍጹም ካብ ጸላኢ ሓራ ክገብር ከሎ ዝስመዓካ ሓበን ወሰን የብሉን። ሓጎስን ሓበንን ካብ ውሽጥካ ይፈስስ። ንተጋዳላይ ደርፊ’ኳ ክውሕዶ! እዛ ደርፊ ድማ ውዕሎ ተጋዳላይ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል እናዘንተወት ክትነብር እያ። ስለ’ዚ “ኣውገት” ነቲ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ደርማስ ግንባር ‘ነበረ’ ዝገበረ ተጋዳላይ ከም ህያብ እያ”

ኣውገት ሰፋሕ ጎልጎል ክንደይሳዕ ክትሓስሪ

ሰብክን ጥሪትክን ብሰላም ንብሪኣውገተይ ምስ’ቶም ፋሽሽቲዶ

ምስ’ቶም ደቅኺሳሕለይ ኣብ’ቲ ጽንኩር ኩነት

እንታይ ርኢኺማዕረ ሓሙሽተ ዓመት ኣሽካዕሊሎሙልኪ

ኣውገተይ ኣብ ሰፊሕ ጎልጎልኪከጥፍኡና እዩ ነይሩ ሓሳቦም

ኣብ’ዛ ደርፊ ድምጻዊ፡ “ኣውገት” ንዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝርከብ ቦታ ሰብነት ብምልባስ (personification)፡ እናዕለለ እዩ ዛንታ ዝጸዊ። ሕሉፍ ቅያ ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ “ውቃው እዝ” ንኸዘንቱ፡ ምስ ኣውገት ከዕልል’ዩ መሪጹ። ንኣውገት ህይወት ኣልቢሱዋ። ንሳ፡ ነቲ ሰፊሕ ጎላጉልን ገማግም ባሕርን ዘጠቓለለ ደርማስ ግንባር ወኪላ፡ መልሲ ንኽትህቦ ተወኪሱዋ። “ኣውገተይ ምስ’ቶም ፋሽሽቲዶ ምስ’ቶም ደቅኺ?. . . ‘ዞም

ኮፕተርተር እንታይ በሉ ሕጂ?” ኢሉዋ። ምስ ኣውገት ከዕልል ዝመረጸሉ

ምኽንያት ከኣ ብኸምዚ ይገልጾ “ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዕርድታትና ዄይንና ብርሑቕ እናማዕደናያ፡ ጓና እናዓንደረላ ዋናታታ ግን ፍጭም ኢልና ክንጥምታ ተራእዩኒ። ህይወት እንተ ዝህልዋስ፡ ትዛረብ እንተ ትኸውን፡ ሕጂ እንታይ ኰነ ምበለትና ኢለ ሓሲበ። ንሓርነታ - ተጋዳላይ ብጠያይቲ እናተሳሕተን እናተመንጠለን ብጅግንነት ክጎዪ ርእያቱ እያ። ንጸላእቱ ሓግሒጉ ናብ ባሕሪ ከጥሕሎም እውን ተዓዚባ እያ፡ ዓረር ኣብ ዝባና እናጸሓየ መሪር ኲናት ኣሕሊፋ እያ። ‘እንታይ ኰን ምበለት?’ ኢለ። እቲ ኣግራባ ዘጽነተ፡ ወሓይዛ ዝደበየ፡ ኮታ ኩሉ ጸጋታታ

ኣብሪሱ ክብራ ዝደፈረ ዓማጺ፡ ካብ ከርሳ ሕግሕግ ኢሉ ምስ ከደ፡ ድሕሪ እቲ ዘሕለፈቶ መሪር ምርግዛእቲ፡ ሓርነት ክትረክብ ብምኽኣላ እየ ‘ሕጂኸ ምስ’ቶም ፋሽሽቲዶ ምስቶም ደቕኺ ይሕሸኪ?” ኢለ ክሓታ ዝደለኹ። ‘ምስ ጓናን ምስ ወደባትን ምንባር፡ እንታይ ፍልልይ ረኺብኩሉ’ እየ ኢለያ። ኣውገት ድማ መሊሳትለይ። ተጋዳላይ ኣብ’ቲ ሰፊሕ መሬቱ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ ክኢሉ። ገማግም ባሕሩ ብምልኣት ጠሚቱዎም፡ ሓምቢሱሎም። መረበቱ ተመንዚዑ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ነባሪኣ ተጠርኒፉ፡ ቤት ትምህርቲ ተገይሩሉ ፍልጠት ክቐስም ጀሚሩ፡ ናይ ሕክምና ዕድል ረኺቡ፡ እቲ ብዘይካ ወታሃደራት ዓማጺ ስርዓት - ተወር ዝብል ወደባት ዘይረኣዮ ዝነበረ መሬት፡ ነበርቲ ከም ቃሕታኦም ክንቀሳቐስሉን፡ ናብራኦም ብሰላም ክመርሑን ክኢሎም። ልክዕ ከም’ተን ኩለን ሓራ ዝወጻ ቦታታትና ኣብ ሓርነት ተጸንቢራ። ካብ’ዚ ዝዓቢ መልሲ የለን” እምባታትን ጎላጉልን፡ ሰናጭሮን

በዓትታትን፡ ኣጻድፍን ቁልቁለትን ኤርትራ፡ ንተጋዳላይ ብጾቱ እዮም። ዕርድታቱ ቤቱ እዮም። ንእስነቱ ዘስተማቐረሎምን ዘብለየሎምን መፈጠር ዓድታቱ እዮም። ምስ መጋድልቱ ሕሉፍ ብጻያዊ ፍቕሪ ዝመስረተሎም፡ እንታይነት ዝሃነጸሎም፡ በረኻታት፡ መናፍቕቱን

መተዓልልቱን፡ መሳርሕቲ ቅያታቱን፡ መጻውርቲ ኣደራዑን፡ መዋዕልቱን መተሓድርቱን፡ መጓህይቱን መተሓጉስቱን፡ መዕቆቢኡን መቕበሪኡን፡ ስለ ዝዀኑ፡ ምስኣቶም ከዕልል ባህ ይብሎ። ኣብ ደሙ እዮም ዘለዉ፣ እቶም ዕርድታት፡ ምቁርን ሕሱምን ትዝታታት ኣብ ደሙ ኣንቢሮም ኣለዉ። ምስ’ቶም ኣብ ሑቕፎም ዘለዎ በይዛታት ብመንፈስ እንክራኸብ ሕልናኡ ይቐስነሉ። ነቶም ኣብ ኲናት ንናጽነት፡ ብስትራተጂያዊ መልክዖም ምስኡ ወጊኖም፡ ንዓወታት ዘቀላጠፉ ቅርጽታት መሬት ኤርትራ፡ ከም ትንፋስ ዘለዎ ግኡዝ ወይ ከም ሰብ

እንተ ረኣዮም ንሳቶም እድዮም ህይወቱ! ልዕሊ ማንም ምስኣቶም እንከዕልል ሸውሃት ሕልናኡ ይኽፈት።ኣብ’ቲ ንጥፍኣት ሰውራ

ዝተባርዐ ኲናት፡ ተጋዳላይ ብሓዊ እናተለብለበ ንኽሰርር ጽንፊ ዓቕሙ ተጋዲሉ። ኣብ ጥቓ ሞት ትልኽ እናበለ ተጋዲሉ። ሓደገኛን ንጽንዓቱ ዝፈታተኑን ኩነታት ሰጊሩ። ወላ’ኳ ንሓንሳብ ካልኢት ወለቕ ዘለቕ እንተ ዝብል ነይሩ፡ ሎሚ ኣይምነበረን። ልክዕ ከም ውቃው እዝ “ነበረ’ያ ነበረ) ምዀነ። ወዲ ትኹል “ጸላኢ ነቲ ቦታ

ሰይርዎ እንተ ዝኸውን፡ ብኣውገት ኣቢሉ እውን፡ ናብ ደጀናትና ገጹ እንተ ዝስጉም፡ ገድሊ ኣብ ከቢድ ጸገም ምኣተወ። ምናልባት እቲ ገድሊ ምነበረን ኣይምነበረን እውን ዘስግእ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ቀንዲ መዓስከርና እዩ ኣትዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ምዝላቕ፡ ብዓዲ ያዕቆብ ኣፍሪሱ ምስ መጸ፡ “ፈጺመ ክድምስሶም’የ” እናበለ እናፈከረ እዩ መጺኡ። ብባሕሪ፡ ብነፈርቲ፡ ብኣጋር ሰራዊት፡ ብታንክታት. . . ማእለያ ዘይብሉ ናብ ሶቬት ሕብረት ኣጽዋር ዓጢቑ ከጥፍኣና እዩ ተበጊሱ። ሽዑ ከም ዝሓሰቦ ፈንጢሱ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ንሰውራ ኤርትራ ዓቢ ጸገም ምዀነ። ክወፍር ከሎ ሓንሳብን ንሓዋርን ከጥፍኣና፡ እናተሃንደደ “ገድልን ገደልን ንሓዋሩ ኣይክህሉን

እዩ” ኢሉ እዩ ተኣማሚኑ ወሪሩ። ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ድማ ንምቕጻል ደጀናትናን ቃልስናን ወሳኒ እዩ ነይሩ። ብሓያል ምርብራብ ተጋደልቲ ደው ስለ ዝበለ ግን፡ ሰውራና ካብ ሓደጋ ድሒኑ። ዓቕሚ ክሳብ ዝረክብ ድማ፡ ንዓመታት ዕርዱ ኣደልዲሉ ኣብኡ ተቐሚጡ። ድሕሪ ጽንኩር ምርብራብ፡ ደምሳሲ ስርሒት ተፈጺሙ። ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ደጀን ዋናታቱ ኰይኑ። ጸላኢ ስንባደ ምስ ኣተዎ፡ ብኡ ኣቢሉ እዩ ጠፊኡ። ተስፋ ቆሪጹ፡ ናብ ኣውገት ገጹ ተንከስ ክብል ኣይከኣለን።

ይቕጽል

ኣውገት

ድምጻዊ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)ግጥምን ዜማን - ወዲ ትኹል

ዓጀብቲ - ማእከላይ ጉጅለ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር (ባህሊ ውድብ)

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ውቃው እዝ ድሕሪ ምድምሳሱ

Page 6: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2914 - ገጽ 6

* ንሜዳ ዝወጻእካሉ ኩነታት ከመይ ነይሩ?

- ኣብ መጀመርያ 1975’ዩ። ምስቲ’ ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኸ’የ ክስለፍ መሪጸ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን “ዘማች” እናተባህለ ብዙሕ ሰብ ዝግፈፈሉ ዝነበረ‘ዩ። ዘይርስዖ ካብ ኢትዮጵያ ንትግራይ ምስ ኣተና፣ ካብ ግርሁ ስርናይ (ትግራይ) ብእግርና ኢና ንጾረና መጺና፣ ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ነቒልና ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ንጾረና ኣቲና። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝኾነ ናይ መጓዓዝያ ምንቅስቓስ ኣይነበረን፣ ግፍዕታት ጸላኢ እናበኣሰን ሓያሎ ንጹሃት ዜጋታት ብስልኪ ዝሕነቑሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ ነይሩ።

* ቅድሚ ምስላፍካ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረካ ኣፍልጦ ወይ ኣበርክቶ

ነይሩ’ዶ?

- ቅድሚ ምስላፈይ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲበ እሰርሕ ነይረ። ካብ’ዚ ከኣ ዝያዳ ፖለቲካዊ ስምዒትን ርድኢትን እናማዕበልኩ መጺኤ፣ ንሜዳ ክስለፍ ከኣ ባይታ ፈጢሩለይ።

* ክትስለፍ ከለኻ ወዲ ክንደይ ዓመት ኣቢልካ ኔርካ?

*ወዲ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ኣቢለ’የ ነይረ። ወዲ ሓረስታይ’ኳ እንተነበርኩ ወለደይ ንቑሓት ብምንባሮም ከምህሩኒ ላዕልን ታሕትን’ዮም ይብሉ ስለዝነበሩ ፣ ንሜዳ ክወጽእ ከሎኹ ተማሃራይ 10ይ ክፍሊ’የ ነይረ።

* ንሜዳ ዝወጻእካላ ዕለት ከመይ ትዝክራ?

- ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ምስ ስዉእ ብጻይ ስምኦን ክፍለ ኢና ካብ ዳምባ ንሜዳ ክንወጽእ ኣብ ሰሓርቲ ናብ ዝነበረት ሓይሊ ናይ ዕንዱኩር ከይድና ተመዝጊብና። ይዝከረኒ ዕፉን ወይ ባልደንጓ ተማልኡ ኢሎምና ስድራይ ግን ሞሊቐ ንሜዳ ክስለፍ ስለ ዝኾንኩ ክህቡኒ ስለ ዘይክእሉ፣ ነደይ፣ ኣብ ዓላ እትቕመጥ ንዝነበረት “ዓባየይ” ባልደንጓ ስደድለይ ኢላትኪ” ኢለ እተን ባልደንጓ ክረኽበን ክኢለ፣ ስድራይ እንዳ ኣባሓጎ ኣሎ እናበሉ፣ ኣነ ግን ድሮ ካብ ዓላ ምዃኑ’ዩ ንሜዳ ተሰሊፈ። ኣብ እማህሚመት ከኣ ተዓሊመ።

*ታዕሊም ከመይ ነይሩ፣ ብሓፈሻ ህይወት ገድሊ ከመይ ረኺብካ’ዩ?

-ታዕሊም ጽቡቕ’ዩ ነይሩ። እቲ ህይወት ዋላ’ኳ ጽንክር ዝበለ እንተነበረ፣ ብወገንና ግን ዕላማ ስለዝነበረና ንኹሉ ከም ዘይልመድ የለን እናለመድናዮ መጺእና። ኣብ ኣመጋግባ ጸገም ነይሩና፣ ምኽንያቱ ምስ ምፍላይ ናይ ሳበ ኣብ’ቲ ቁጠባዊ መዳይ ክትርእዮ ከሎኻ ክሳብ ዝሓሰኸ ሓርጭ ሰንኪትና ንምገብ ነይርና።

* ጎኒ ጎኒ ታዕሊም ዝግበር ዝነበረ ማእቶታዊ ንጥፈታትከ ከመይ ነይሩ?

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብዙሓት ተዓለምቲ ኢና ነይርና። እቲ ውድብ’ውን እናዓበየ ይመጽእ ብምንባሩ፣ ንመጓዓዝያ ዝኸውን ጽርግያ ክጽረግ ከሎ ከም በዓል ዓወት ዓገት ብውሑድ ባዴላን ኣፍረዛን እናተጠቐምና ነቲ ዓበይቲ ደናጉላ በቲ ዝነበረ ማሳ ክስበር ስለ ዘይክእል ምሉእ ለይቲ ነቲ ዓበይቲ ደናጉላ ብሓዊ ኣርሲንና ድሕሪኡ ብጀሪካናት ማይ ንኽዕወሉ’ሞ፣ ፈንካሕካሕ ኢሉ ይሰባበር ነይሩ። ብኸም’ዚ ከኣ ነቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ መካይን ከም ዝንቀሳቐሳሉ ንገብር ነይርና።

* ድሕሪ ታዕሊምን ማእቶትንከ ኣበይ ተመዲብካ?

- ኣብ ቦጦሎኒ ኣርባዕተ ሓይሊ 33’የ ተመዲበ። እዚ ኣሃዱ’ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ መበገሲኡ ካብ ዓላ ኮይኑ፣ ክሳብ ጾሮናን ትግራይን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኮይኑ፣ እቲ ቀንዲ ዕላማና ንጸላኢ ኣድቢኻ መጥቃዕቲ ምፍናውን ንህዝቢ ምንቃሕን ‘ዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኣሃዱ’ዚ ንክልተ ዓመት ምስ ጸናሕኩ፣ ድሕሪ ተኽሊጥ ናብ ብርጌድ ኣርባዕተ ሳልሳይ ቦጦሎኒ ሳልሳይ ሓይሊ ተመዲበ ከም ተራ ተዋጋኢ ኮይነ ተመዲበ። ኣብ 1978 ምክትል መራሕ መስርዕ ፣ ድሕሪኡ’ውን ናብ ሻምናይ ዙርያ ናይ ካድር ትምህርቲ ምስ ቀሰምኩ ከም ማእከልነት ጋንታ ተመዲበ ። ኣብ መጀመርያ 1979 ማእከልነት ሓይሊ ኮይነ ።

*ድሕሪኡ ኸ?

- ጸላኢ ኣብ እዋን ምዝላቕ ናይ ካልኣይ ወራር ካብ ባጽዕ ንየማን እናግፍሐ ነቲ ብወገን ከረንን ከበሳን ዝነበረ ሰራዊት ህ.ሓ ክዓግት ንማዕሚደ ምስ መጸ፣ ኣብኡ ናትና ቦጦሎኒ ኣርባዕተ ሰለስተ ኣቐዲማ ቦታ ሒዛ ብምጽናሕ ዘየላቡ ጽፍዒት ሂባቶ። ድሕሪኡ ግን ካልኦት ኣሃዱታት’ውን ተደሪበናና ንጸላኢ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣሰኪምና ንምዕጥር ገጽና ከም ዝሃድም ጌርናዮ። ብኸበሳ ዝነበረ ኣጽዋርናን ንብረትናን ተጠርኒፉ ንሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል’ዩ ከም ዝወርድ ተገይሩ።

* ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል’ሞ ከመይ ረኺብካያ?

- ኣብ’ቲ መጀመርያ እዋን እቲ ቀንዲ ቦታና ከበሳ’ዩ ነይሩ። ንሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ምስ ወረድና ብርቱዕ ሃሩር’ዩ ተቐቢሉና። ብዓቢኡ ናይ ማይ ጸገም ነይሩና፣ ተጋደልቲ ማይ ክወርዱ ምስ ከዱ፣ ምስ’ቲ ካብ ነብሶም ዝወጽእ ዘይተኣደነ ርሃጽ ዳርጋ ነቲ ማይ ከምጽኡሉ ዝኸዱ ጀሪካን፣ ኣብ መገዲ ፍርቁ ሰትዮሞ ይመጹ ነይሮም።

* ክሳብ መኣስ ኢኻ ኣብ’ዚ ኣሃዱ’ዚ ጸኒሕካ?

- ክሳብ 6ይ ወራር ኣብ ብርጌድ ኣርባዕተ ጸኒሐ፣

* ገለ ካብ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ከም ፍሉይ እትጠቕሶ ዝኽሪታት

ከተዕልለና?

እቲ ተዘክሮታት ብዙሕ እንድዩ ግን ከም ፍሉይ ዝኽሪ ኢለ ዝጠቕሶ ኣብ 6ይ ወራር እቲ ናይ መጀመርያ ቀመማዊ ጋዝ ናይ ጸላኢ ኣብ ሓይልና ታባ ኢብራሂም እንከለና’ዩ ተደርብዩና። እቲ ቀመማዊ ጋዝ ብ15 ለካቲት 1982 ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ’ዩ ፣ ካብ ኢድ ሰራዊት ጸላኢ ተደርብዩልና፣ ኣብ ልዕሌና ዘስዓቦ ጉድኣት’ኳ እንተዘይነበረ ይዝከረኒ ግን ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ስዉእ ተኸስተ ገብረመድህን (ቀይሕ) ናተይ ምልክት ዝነበረ፣ በቲ ጋዝ ስለ ዝተዓፈነ ብተደጋጋሚ ህንጥሾ ክብልን ገጹ ናብ በርበረ ክልወጥን ሓደ ኮይኑ። ኣነ’ውን ትንፋሰይ ክትወጽእ ክሳብ እትደሊ ህንጥሾ ክብል እዝከረኒ። ድሕሪኡ ግን ከም ማእከልነት ሓይሊ መጠን ብዛዕባ’ቲ ዝተደርበየ ቀመማዊ ጋዝ ንማእከልነት ቦጦሎኒ ሓቢረ። ነታ ቀመማዊ ጋዝ እትሕዝ ዝተተኮሰት ጥራያ ታኒካ’ውን ናብ ሓለፍተይ ክሰዳ እዝከረኒ።

* ንቐጽል…

- ድሕሪኡ 1983 ብደረጃ ውድብ ካብ ማእከልነት ሓይሊ ንላዕሊ ተኽሊጥ ኮይኑ ፣ ናብ ብርጌድ 23 ተመዲበ። ኣብ 7ይ ወራር (ሰላሕታ) ተሳቲፈ። እዚ ወራር’ዚ ብፍላይ ጸላኢ ኣብ 6ይ ወራር ድሕሪ ምፍሻሉ ፣ ንሻብዓይ ወራር ብዝሰፍሐን ዝሓየለን ኣወዳድባ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ክሳብ ባርካ ብሰላሕታ ዝጀመሮ ወራር’ዩ ነይሩ። ዋላ’ኳ ንዓና መጢጡ ሓይሊ ሰቡን ኣጽዋሩን ኣዋዲዱ ከጥቅዓና እንተፈተነ እዚ’ውን ከም’ቶም ቅድሜኡ ዝሓለፉ ወራራት ንጸላኢ ማይ ኣዕሚኹ’ዩ ሮኽምሽዎ።

* ድሕሪኡ ዝሰዓበ መጥቃዕቲ ኸ ከመይ ነይሩ?

- ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ 1984 ዝተወስደ ናይ ምጥቃዕ ተበግሶ ኮይኑ፣ ካብ ሓልሓል ተበጊስና ንጸላኢ ፍጹም ደምሲስና ንከተማ ተሰነይ ምሉእ ብምሉእ ዝተቖጻጸርናሉ’ዩ። ድሕሪኡ ንመጥቃዕቲ “ውቃው እዝ” ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ተመሊስና።

* ናብ’ቲ ቀንዲ ከተዘንትወልና ዝዓደምናካ ፍጻሜ ኢኻ ትወስደና

ዘለኻ ? ብዛዕባ “ውቃው እዝ” ። ካብ’ቲ ስያሜኡ እስከ ንጅምር…

- ጸላኢ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ዝነበረ ሓይሉ ከም “ናደው” “መብረቅ” “መንጥር” “ውቃው” ወዘተ እናበለ ይስይሞ ነይሩ። እዚ ስያሜታት እዚ ከኣ ንሰራዊቱ ሞራልን ሓይሊ ክኸውን ኢሉ ዝስይሞ ዝነበረ’ዩ። ብመሰረት’ዚ ከኣ “ውቃው” ክብል እንከሎ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ

“ውቕዓዮ “ወይ ከኣ “በሎ” እዩ ዘስምዕ። እዚ “እዝ” ’ዚ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ ኮይኑ፣ ብዕጥቁን ስንቁን ዝደልደለ፣ ካብ ዝተሓተ ብረት ካላሽን ክሳብ ዝለዓለን ዝማዕበለን ቢኤምን ሚእቲን ሳላሳን ታንክታትን ዝዓጠቐ ማእለያ ዘይነበሮ ሰራዊት’ውን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።

* ንስኻ’ውን ሓደ ካብ’ቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ከም ምዃንካ

መጠን፣ እቲ ኩናት ከመይ ነይሩ ካብ’ቲ ካልእ ውግኣት’ከ እንታይ ፍሉይነት

ነይሩዎ?

- እቲ መጥቃዕቲ ብዕለት 22 ለካቲት 1984 ከባቢ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ’ዩ ጀሚሩ። ኣሃዱና ብርጌድ 23 ካብ ከባቢ ወዲ ጋን ተበጊሳ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓት ተጓዒዛ ብኣባላት ኣሃዱ ስለያ እናተመርሐት ንጸላኢ ብድሕሪኡ ሰንጢቓ ክትኣቱ ተመዲባ። ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ቦጦሎኒና (1) ብየማናይ ጫፍ ኮይና እንዳ ክልተን ሰለስተን ከኣ ብጸጋምና ዘዝተዋህበና መደብ ሒዝና ነቲ መጥቃዕቲ ጀሚርናዮ። ብፍላይ ሓይልና ነቲ ካብ ግንባር ንማርሳ ተኽላይ ዝሃድም ጸላኢ ክትዓግት ንየማን ምስ ሓንቲ ጋንታ ናይ ከቢድ ብረት ምስ ሓለፈት ዘይተጸበናዮ ናይ “4ኛ ፓራኮማንዶ” ሓድሽ ኣብ ዝኾዓቶ ድፋዕ ኣዝጊቡ ጸኒሑና። ኣብ’ዚ ደማዊ ውግእ ኣካይድና ነቲ ድፋዕ’ኳ ተቖጻጺርናዮ እንተነበርና፣ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ምስ’ቲ ለጥ ዝበለ ጎልጎል ምዃኑን ናይ ጸልኢ ኣጓዱ ተቓጺሉ ብርሃን ብምፍጣሩን ጸላኢ ናይ ምትካስ ዓቕሙ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩሉ

ብወገንና መቑሰልትን መውጋእትን ኣጋጢሙና። ብዓቢኡ’ውን ግንባር ጸላኢ ስለ ዘይፈረሰ ንንግሆኡ ከባቢ ሰዓት 6፣00 ወጋሕታ ኣንሳሕቡ ተባሂልና። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ተጋዳላይ ዘርኣዮ ጽንዓትን ጅግንነትን መዘና ዘለዎ ኣይኮነን።

* ገለ ካብ’ቲ ኣብነታት እንተትጠቕሰልና…

- ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ጸላኢ ስለዝኸበበና ብውዱብ ከነንሳሕብ ስለ ዘይከኣልና፣ ገለ ብጾትና ንቅሮራ ገጾም፣ ነቲ ሰጣሕ ጎልጎል ሰንጢቖም ክወጹ እንከለዉ፣ ገለ ድማ ከም በዓል ስውእቲ ለምለም ሓጎስ (ጓል ጎይታና) ኣብ ክንዲ ኣብ ኢድ ጸላኢ እንኣቱ ብገዛእ ቡንባና ንስዋእ ኢለን ነፍሰ ቅትለት ዝፈጸማ፣ ገለ’ውን ነቲ ናይ ሽዱሽተ ሰዓት ጉዕዞ ብክልተ ሰለስተ ሰዓት ብምምላሶም፣ ገለ ከኣ ብሰንኪ ነዊሕ ጉዕዞ ዝተሰነፉን ዝደኸሙን ነይሮም። በዚ ከኣ እታ ናይ 22 ለካቲት 1984 መጥቃዕቲ “ውቃው እዝ” ትፈሽል። ብ 19 መጋቢት 1984 ልክዕ ኣብ ወርሑ፣ ብወገና ሰዓት ክልተ ናይ ድ.ቀ. ካልኣይ መጥቃዕቲ ጀሚርና። ኣብቲ እዋን’ቲ ጎላጉል ማህሚመትን ኣውገትን ከምዚ ኮነ ኢልካ ኮቦርታ ዝኸደንካዮ ብግመ ተሸፊኑ እንከሎ መጥቃዕቲ ጀሚርና ዕርድታት ናይ ጸላኢ ሃዶሽዶሽ ኣቢልና ከነፍርሶ ክኢልና። ዋላ’ኳ ጸላኢ ኣብ ክራይ ዝተባህለ ቦታ ድብያ ጌሩ ክዓግተና እንተፈተነ ቅልጡፍ ጸረ መጥቃዕቲ ብምውሳድ ከምዘየትክል ጌርና ናብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ፣ ናብ ባሕሪ ከም ዝኣቱ ጌርና። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣዛዚ ናይ “ውቃው እዝ” ዝነበረ ጀነራል ሑሴን ምስ ገለ ሒደት ወተሃደራቱ ከምልጥ እንከሎ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊትን ምክትሉ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ግርማ ተሰማን ከኣ ተማሪኾም። ኣብቲ ቀዳማይ ዘይሰለጠና መጥቃዕቲ ዝኸፈልናዮም ስዉኣትና ከምቲ ዝደልዩዎን ዝምነይዎን ፣ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመት ”ውቃው እዝ” ዝዓረደሉ ግንባር ነበረ’ያ ነበረ ብምግባር ብምድምሳስናን ደቢስናዮም’ዮም።

* ኣገዳስነት መጥቃዕቲ “ውቃው እዝ” ግን ክሳብ ክንደይ’ዩ ነይሩ?

- ናይ ነፍስ ወከፍ መጥቃዕቲ ኣገዳስነት ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ኣብ ናይ ውቃው እዝ ትሓተኒ ስለዘለኻ ግን ሓደ ካብ’ቶም ወሰንቲ ውግኣት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል’ዩ ነይሩ ኢለ ክገልጾ እኽእል። ንመጥቃዕቲ ምፍራስ ናደው እዝን ካልእ ዓበይቲ ስትራተጅያዊ መጥቃዕትታት መገዲ ዝኸፈተ ዓቢ ኣገዳስነት ዝነበሮ’ዩ።

* ኣብ ብርክት ዝበለ ውግኣት ተሳቲፍካ ኣሎኻ፣ ገለ ካብ’ቲ ብፍሉይነት

እትጠቕሶ ?

- ኣብ ውግእ ማዕሚደ ጸላኢ ብመሰረቱ ነቲ ግንባር ንኽድምስስ’ዩ ሓሊኑ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብሓንቲ ቦጦሎኒን ሓንቲ ኣጋር ከቢድ ብረትን ንጸላኢ ምዕጋትና ካብ’ቲ ብፍሉይ ዝጠቕሶ መስተንክራዊ ፍጻሜ’ዩ።

* ኣብ መወዳእታ ዳንባ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምድምሳስ “ውቃው እዝ” ብፍላይ ንመንእሰያት

እንታይ ምበልካ?

- ብዓቢኡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ታሪኽ መንእሰያት’ዩ። ነዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንሕድሪ ሰማእታት ተቐቢሉ ብሓደ ኢዱ ብረት በቲ ካልእ ድማ ኣፍራዛ ሒዙ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዝርከብ መንእሰይ ጽናዕ ጥራይ’የ ዝብሎ።

* የቐንየልና።

“ኣብ ውቃው፡ ተጋዳላይ ዘርኣዮ ጽንዓትን ጅግንነትን መዘና ዘለዎ ኣይኮነን”

ተጋዳላይ ተኸስተ ተኽለማርያም(ዳምባ)

ገዲም ተጋዳላይ ተኸስተ ተኽለ ማርያም (ዳምባ) ኣብ 1956’ዩ ኣብ ንዞባ ደቡብ ን/ዞ ደቀምሓረ ዳምባ ሰሓርቲ ተወሊዱ። ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብ ዳንባ መባእታ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሚኣካኤል፣ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤ/ት እምበይቶ፣ 9ይ-10 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማሂሩ። ኣብ መጀመርያ 1975 ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላስ ምስ’ቲ ዝነበረ ውዕዉዕ ፓለቲካዊ ምንቅስቓሳት ተደሪኹ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ንሜዳ ተሰሊፉ። ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምድምሳስ "ውቃው እዝ" ዝኽሪታቱ ከዘንትወልና ኣብ ዓምዲ ጋሻ ሰንበት ዓዲምናዮ ኣሎና ሰናይ ንባብ።

Page 7: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2014 - ገጽ 7

ስፖርትኤርምያስ ኣስፍሃ

ከነላልየኩምኣብ 2013’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ

ተቐዳደምቲ መዳለዊ ንሻምፕዮን ዞባ ማእከል ኣብ ከባቢ ሲነማ ሮማ የካይዳ ነበራ። ንቕጽበታዊ ውድድር ደወል ምስ ተደወለ፣ ተቐዳዳሚት ጸሃይነሽ ፍጹም፣ ቅጽበታዊ ውድድር ንምክያድ ብናህሪ እናመጽአት፣ ኣብ ከባቢ ሽዳ ኣብ ዝርከብ መካበቢ ሓጺን ሸተት ኢላ ወደቐት። ሓጺን ኣብ ጸጋማይ ሰለፋ ተሸኽለ። ደም ካብ ሰለፋ ጃሕጃሕ በለ፣ ኣብ ሰለፋ ዝርከብ ስጋ ተጀሊዑ ኣብ’ ሓጺን ተረፈ። በቲ ፍጻመ ዝሰንበዱ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ተዓዘብቲ፣ ንተቐዳዳሚት ጸሃይነሽ ካብ’ቲ ሓጺን ብጥንቃቐ ኣውጺኦም ሕክምናዊ ረድኤት ንኽትረክብ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ወሰድዋ።ጸሃይነሽ፣ ኣብ ሆስፒታል 29 ግዜ ኣብ

ጸጋማይ እግራ ተሰፈየት። ኩቱር ናይ ምቅድድዳም ባህጊ ስለ ዝነበራ ግና ድሕሪ ክልተ ቅነ ናብ ውድድራት ብሽክለታ ተመልሰት። ቁስላ ኣጸቢቑ ስለዘይሓወየ ግን ዳግማይ ረኽሲ ኣጋጠማ። ናይ ሓደ ወርሒ ግቡእ ሕክምና ድሕሪ ምግባር ዳግማይ ናብ ውድድር ብሽክለታ ተመልሰት።ምስ ቁስላ ኣብ መጻረይ ሻምፕዮን

ኣፍሪቃ ግብጺ ንምኻድ ተሳቲፋ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ግብጺ ኣምርሐት። ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ግብጺ’ውን ልዕሊ ትጽቢት ዝኾነ ዓወት ተጓናጺፋ መጽአት። ተቐዳዳሚት ጸሃይነሽ ፉጹም ኣብ

ዓደም ነገር(ዞባ ማእከል) ብ1993 ተወሊዳ፣ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ዓብያ። ገዛውታ ኣብ ጥቓ ጽርግያ ስለዝነበረ፣ ልምምዳት ዘካይዱ ተቐዳደምቲ ክሓልፉ ክትርኢ ከላ “መዓስ’የ ከምዚኦም ዝኸውን?” ብምባል ቅዱስ ቅንኢ ይሓድራ ነበረ። ናብ ትምህርታ ይኹን ካልእ ቦታታት ክትጓዓዝ ከላ ምንቅስቓሳ ብብሽክለታ ነበረ። ኣብ 2007 ነቲ ትመሃረሉ ዝነበረት

ቤ/ት ከበሳ ጭዋ(ጋላነፍሒ) ወኪላ ኣብቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ተወዲቡ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ማውንተይን ባይክ ውድድራት ንቤ/ትምህርታ ወኪላ ብምውድዳር፣ ን3 ዓመታት 1ይቲ ብምውጽእ ተሸሊማ። በቲ ሽዑ እተንጸባርቖ ዝነበረት

ብቕዓት ድማ ንንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ወኪላ ክትወዳደር ተመርጸት፣ ምስ ንኡስ ዞባኣ’ውን ሓያሎ ዓወታት ተጓናጺፋ’ያ። ኣብ 2010፣ በታ ምስ ብጾታ ካብ

ፈደረሽን ብሽክለታ ዞባ ማእከል ዝተዋሃበታ ዳ ኮርሶ ብሽክለታ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ ተወዳዲራ። ኣብ ፈላሚ ውድድራ ከኣ ዝንኣድ ብቕዓት ብምጽብራቕ 4ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ፈጺማ።ኣብ 2011፣ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣብ

ዝተኻየደ ውድድር፣ ንዋሓዚት ብምርታዕ 1ይ ደረጃ ሓዘት። ብዘይካ’ዚ ኣብ’ዛ

ዓመት፣ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪላ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምምራሕ ፈላሚ ኣህጉራዊ ውድድራ ኣካየደት። ኣብ’ቲ ምስ ዓበይቲ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ

ጸሃይነሽ - ምስ መጉዳእታ ዓወታት እትጎናጸፍ ተቐዳዳሚት

ዘካየደቶ ውድድር፣ መውደቕቲ ኣጋጢምዋ ከሎ ምስ’ተን ውድድረን ዝዛዘማ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ሕንጻጽ ክትረግጽ በቒዓ።

ኣብ 2012 ውድድራት ሻምፕዮን ዞባ ማእከል፣ ንተቐዳዳሚት ወሓዚት ብነጥቢ በሊጻ ነቲ ውድድር ሻምፕዮን ትቕልሶ’ኳ እንተነበረት፣ ኣብ ናይ መዛዘሚ ውድድር፣ ብሽክለታ ስለዘበላሸወት፣ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ፈጺማ።ኣብ 2013 ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ

ዝተጠቕሰ መዳለዊ ንሻምፕዮን ዞባ ማእከል ኣብ ከባቢ ሲነማ ሮማ ብዘጋጠማ ሓደጋ፣ ሓጺን ኣብ ሰለፋ ስለዝተሸኽላ፣ ኣብ ጸጋመይቲ ሰለፋ ከቢድ ጉድኣት ኣጋጠማ። ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩላ፣ ድሕሪ ክልተ ቕነ ናብ ውድድራት ተመልሰት። ሕጂ’ውን እግራ ረኽሲ ስለ ዝገበረት፣ ንሓደ ወርሕን ክልተ ቕነን ዝኸውን ካብ ኮረሻ ብሽክለታ ክትወርድ ተገደደት። ብድሕሪ’ዚ እግራ ብተዛማዲ ደሓን

ስለዝኾነትላ፣ ንቑስላ ተጻዊራ ንሃገረ ግብጺ ንምኻድ ኣብ ዝተኻየደ መጻረይ ውድድር ተሳቲፋ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝገበት። ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ግብጺ

ብምምራሕ ከኣ ኣብ ውድድራት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013፣ ምስ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ተወዳደረት። ምሉእ ብምሉእ ቁስላ ከይሓወየ እንከሎ መምርሒታት ኣሳልጣኒኣ ወዲ ሴሄል ብግቡእ እናተግበረት፣ኣብ ናይ ውልቂ

ክሮኖ ሜትር 4ይ ደረጃ፣ ብውህሉል ነጥቢ ድማ 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ልዕሊ ትጽቢት ዝኾነ ውጽኢት ኣመዝጊባ። ንሃገራዊ ጋንታ ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ፣ ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ንኽትከውን ከኣ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይራ።እዛ ኣብ ጎልጎል ጽቡቕ ብቕዓት ዘለዋን

ካብ መወዳድርታ ሃዲማ ውድድራ ክትዛዝም ትኽእልን ተቐዳዳሚት፣ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድድር ኣተኵራ ልምምዳታ ኣበርቲዓ ተካይድ ኣላ። ዝናብ ፍጹም እትብሃል ንእሽተይ

ሓፍታ ተቐዳዳሚት ጋንታ ኤለክትሮላይት ዘላታ ጸሃይነሽ፣ ብሓፈሻ፣ ሓንቲ ዋንጫን 21 ማዳልያታትን ኣብ ሕቑፋ ኣእትያ ኣላ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ምስ ጋንታ ዓራግ ተጠርኒፋ፣ ብውልቃን ምስ ጋንታን ክሳብ 120 ኪሎ ሜትር እናወጽአት ስሩዕ ልምምዳታ ተካይድ ኣላ፡ ኣብ በዓል ግብጺ ደሓን ዝኾነ

ኣህጉራዊ ተመኩሮታት ኣጥርያ ስለዘላ፣ ሕልማን ራኢኣን፣ ጉቡእ ስልጠናታት ወሲዳ ከም በዓል ዳንኤልን ናትናኤልን ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ኮይና ስማን ስም ሃገራን ከተጸውዕ’ዩ። ንስድርኣ፣ ንሳ ንኣሰልጠንታ ሳምሶም ሰለሙን ሚኪኤል ትኩእን ሙሴ ኣስሄልን ብዝህብዋ ምኽርን ስልጠናን ከየመስገነቶም ኣይሓለፈትን።

ዝበዝሕ ግዜያት ኣብ ማእከል ፍርቂ ሜዳ ዝጻወት’ኳ እንተኾነ፣ ልዑል ምልከት ኵዕሶን ተዓጻጻፍነትን ስለ ዝውንን ማእከል ሒዙ ብየማናይ ክንፊ ካልኣይ ኣጥቃዓይ ገይርካ ከተሰልፎ እትኽእል ኮርዒዳ ተጻዋታይ’ዩ። ብ30 ግንቦት 1980 ዝተወለደ

ጀራርድ፣ ንመጀመርታ ግዜ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ጸወታ ዘካየደሉ ኣብ 2000 ኮይኑ ካብኡ ኣትሒዝካ ንሃገሩ እንግሊዝ፣ ኣብ 2004 ንጎባልል ኤውሮጳ ወኪሉ ተጻዊቱ፡ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2006 ዝልዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ጋንታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ 2010 ከኣ ንፈለማ እዋን ነቲ ብማህሰይቲ ዝበኾረ ሪዮ ፍርዲናንድ ተኪኡ ሓለቓ ጋንታ ኾይኑ ዕዙዝ ተራ ተጻዊቱ። ከምዚ ኢሉ ብሉጽነቱ ብግብሪ ከረጋግጽ

ብምኽኣሉ ድማ’ዩ ኣብ ድሮ ምጅማር ጸወታ ሻምፕዮና ኤውሮጳ 2012 ቀዋሚ ሓለቓ ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ክኸውን ብምሉእ ድምጺ ዝተሓርየ። ተንተንትን ክኢላታትን ዓውደ -

ስፖርት ፣ “ ጀራርድ ዘይደክም ጎያዪ፣ ልዑል ራኢ ዘለዎን ናይ ሓቂ መራሒ ጋንታን” ከም ዝኾነ ብምግላጽ፣ ኣብ ታሪኽ ሓደ ካብቶም ዓበይትን ብሉጻትን ተጻወትቲ ማእከል ሜዳ ዓዲ እንግሊዝ ምዃኑ ይዛረቡሉ። ብዘይካ’ዚ፣ ብርቱዕ ቀላዒን እቲ ዝልዓለ

ጀራርድ፡ ወሓለ ኣከፋፋሊ.. ቀላዒ..፡ ኣወሃሃዲ ጋንታ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፍርቂ ሜዳን ኮይኑ፣ ነታ ንሱ ካብ ርሑቕ ዝቐልዓ ኵዕሶ ክብድሁ ዝኽእሉ ሓለውቲ ልዳት ውሑዳት’ዮም፡ ዘይነዲን ዚዳን ኣብ 2009፣ “ጀራርድ

ዝበለጸ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ናይ ዓለም’ዩ” ብምባል ንልዑል ብቕዓት ጀራርድ ገሊጹ፡ ኣብ 2005 እውን ጀራርድ ኮኾብ

ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ UEFA ኮይኑ ሽልማት ባሉን ዲ ኦር ክዓትር ኣብ ርእሲ ምብቃዑ ኣብ ዝስዓቡ ዓመታት ድማ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንውሕልነቱ ውሕልነት እናወሰኸሉ፣ ነቲ ዝጸንሖ ጥበብ ምስ ተመክሮ ርቀትን ዕምቆትን እናመልኣሉ፣ ሸውዓተ ግዜ ምስ’ታ ዝበለጸት ጋንታ ፒኤፍኤይ፣ ሰለስተ ግዜ ምስ ናይ’ቲ ወቕቲ ዝበለጸት ጋንታ UEFA ን ዓለምለኸ ፊፋን ክርቋሕ ክኢሉ። ኣብ መዛዘሚ ግጥም FA ፣ ኣብ

መወዳእታ ጸወታ ዋንጫ ሊግ፣ ኣብ ዛዛሚ ግጥም ንዋንጫ UEFA፣ ከምኡ’ውን ኣብ መጨረሻ ጸወታ ሻምፖዮን ሊግ ዛጊት ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ ዘሎ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ እንኮ ጀራርድ ጥራይ’ዩ፡ ኣብ 2006 ናይ IFFHS “ናይ ዓለም

ዝልዓለ ህቡብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ” ኣብ 2008 ናይ ክብሪ ኣባልነት ካብ

ሊቨርፑል ጆን ሙርስ ዩኒቨርሲቲ ብምቕባል፣

ኣብ መጋቢት 2001 ከምኡ’ውን ኣብ መጋቢት 2003 ፣ ኣብ ታሕሳስ 2004፣ ኣብ ሚያዝያ 2006 ን መጋቢት 2009 ተሸላሚ ብሉጽ ተጻዋታይ ፕሪምየር ሊግ ክኸውን በቒዑ። ብዘይካ’ዚ፣

ካ ብ

2004 ክሳዕ 2009 ዝልዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሊቨርፑል፣ ኣብ 2007 ከምኡ’ውን ኣብ 2012 ኮኾብ ተጻዋታይ ሃገረ እንግሊዝ ብምዃን ብርክት ዝበለ ሽልማት ሓፊሱ’ዩ። ጀራርድ ኣብ መስከረም 2006 “ታሪኽ

ህይወተይ ” ብዝብል ኣርእስቲ ብኢድ

ጋዜጠኛ ሄንሪ ዊንተር ዝተጻሕፈት ንጕዕዞ ህይወቱ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣሕቲሙ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ በታ ወርቃዊት እግሩ ዝሓፈሶ

ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሽልማት ቆፎኡ፣ እዛ መጽሓፍ ግዲኣ ብትካል ሽልማት መጻሕፍቲ ዓዲ እንግሊዝ “ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዝበለጸት

መጽሓፍ ስፖርት” ተባሂላ ክብሪ ኣጐናጺፋቶ።

በቲ ብኣጣቓላሊ ኣብ ዓለም ስፖርት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶ፣ ስሙ ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ “ኣባል ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያዊ

ስርዓት” ተባሂሉ ኣብ ናታ ዝርዝር መዝገብ ክብሪ ሓዲሽ

ዓመት ከም ዝሰፍር ተገይሩ።እዚ ወሓለ ኣከፋፋሊ፣ ወሓለ

ቀላዒ፣ ከምኡ’ውን ብውሕልነት ጋንታ ዘወሃህድ ጀራርድ፣ ተኸታሊ ሃይማኖት ክርስትና ካቶሊክ ኮይኑ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2007 ምስ ጋዜጠኛ ኣሌክስ ኩራን ቃል ኪዳን ኣሲሩ፣ ኣቦ ሰለስተ ምጩዋት ኣዋልድ ንምዃን በቒዑ’ሎ።

Page 8: 2014 ኣውገት50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_23032014.pdf“ኢምፓክት” (ስምብራት) ክኸውን ይኽእል። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡

ሓዳስ ኤርትራ 23 መጋቢት 2014 8

ቆልዑምስ

8

ሰንበት

M] ALKo„í mkMqImklX ›ªD÷ IpM

ፍቱዋት ደቀይ ከመይ ቀኒኹም። ኩሉኻትኩም ተገንዚብኩሞ ከም ዘለኹም እዚ ቅንያት’ዚ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዝተፈጸመ ዓቢ ታሪኽ እንዝክረሉ’ዩ።መበል ሰላሳ ዓመት እንዝክሮ

ዘሎና ምድምሳስ “ውቃው እዝ” ዝበሃል መጥቃዕቲ’ዩ። ከም እትፈልጥዎ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወተ፣ ተጋደልቲ ንሰላሳ

ዓመታት ኣንጻር ግፍዐኛ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ኩናት ብትብዓትን ጅግንነትን ገጢሞም ይስዕሩ ከኣ ነይሮም ።ተገደልቲ ግን ንሰራዊት

ኢትዮጵያ ዝስዕሩሉ ዝነበሩ ምኽንያት እንታይ ይመስለኩም? ኣጽዋር ስለዝነበሮም? ስንቂ ስለዝነበሮም? ብግቡእ ወተሃደራዊ ታዒሊም ስለዝወሰዱ? ወይስ ብቑጽሪ ብዙሓት ስለዝነበሩ? ኣይፋሉን! እቲ ምኽኝያት ድኣ’ሞ እንታይ’ዩ? ክገርመኩም እዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ንሰራዊት ጸላኢ’ዩ ነይሩዎ። ሰራዊት ጸላኢ ዘይዓጠቖ ኣጽዋር’ኮ ኣይነበረን። ካብ’ታ ዝተሓተት ካላሽን ክሳብ ብሰማየ ሰማይ ዘጥቅዓ በብዓይነተን ዘመናውያን ነፈርቲን ነይረንኦም። ማእለያ ዘይነበረን ታንክታት ረሻሻት መዳፍዓት ፣ ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን’ውን

እንተኾና ለይትን ቀትሪን ከጥቅዓን ክድምስሳን ዝኽእላ ነይረንኦም። ብባሕሪ’ውን ከምኡ ዓበይቲ ናይ ኩናት መራኽብ ዝዓጠቑ ብቑጽሪ’ውን ሽሾ ሰራዊ’ዮም ዝነበሩ። ኣብ ኩናት እንተኾነ’ውን እቲ ግጥም ሓደ ንዓሰርተ’ዩ ነይሩ። ብስንቂ እንተበልኩም’ከ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣማሪጽካ ዝብላዕ በብዓይነቱ መግብታት። ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ከኣ እኺሉ ዝተርፍ’ዩ ነይሩ። ተጋደልቲ ዝዓጥቅዎ ዝነበሩ

ኣጽዋር ካብ’ቶም ወተሃደራት ብዝምንዝዕዎን ዝማርኽዎን’ዮም ዝዋግኡ ዝነበሩ። ኣብ ቴሌቪዥን እትርእዩወን ተጋደልቲ ዝጥቀሙለን ታንክታት ረሻሻትን መዳፍዕን ካብ ሰራዊት ጸላኢ ዝመንዝዕወን’የን። “ ጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ” ክበሃል’ዶ

ወግዒ ኣቦይ ያሲን

ናቕፋ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ብደጀን ሰውራ እትፍለጥ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብቐዳምነት እትጥቀስ ታሪኻዊት ከተማ’ያ። ናቕፋ ካብ ከረን ንሰሜን ኣስታት 145 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብራኸ ናቕፋ 1670 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ’ዩ። ወይነ ደጋዊ ማለት ምእከላይ ኩነታት ኣየር ስለዘለዋ ድማ ንምቕማጣ ምችእቲ’ያ።

ናቕፋ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓንያ ህዝባ ድማ ካብታ ከተማ ወጺኦም

ናቕፋ (ደጀን ሰውራ)

ሰሚዕኩም ኣለኹም? እወ ብርግጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክጥቀሙለን ናብ ዓውዲ ኩናት ዘእትዉወን ዝነበሩ ታንክታት ጀጋኑ ተጋደልቲ መንዚዖም ኣንጻሮም የቕንዑወን ነይሮም። ክገርመኩም ተጋደልቲ ካብ ጸላኢ ከይተረፈ ስንቂ መንዚዖም ይምገቡ ነይሮም። እምበር ኣብ ሜዳ ድኣ ብዘይካ ዓደስን ባኒን ቅያር’ኳ ኣይነበሮምን። ንሱ’ውን እንተተረኺቡ’ዩ። ተጋደልቲ ጠምየ ጸሚአ ከይበሉ ኣብ ኩናት ገጢሞም ምስ ዝዕወቱ ጥራይ’ዮም “ተደሪርና” ኢሎም ዝቐስኑ ነይሮም። ካብ ጸላኢ መንዚዖም ዘይጥቀሙለን ዝነበሩ ነፈርቲ ኩናት ጥራይ’የን። ኣዘንጊዐን ከጥቅዓ ኢለን መጺአን ኣብ ባይታ ተሓምሺሸን ዝተሃሞኻ ግን ኣለዋ። ተጋደልቲ ግን ነዚ ኩሉ ሰጊሮም

ክስዕሩ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ እንተኢልኩም። ጽንዓትን ተወፋይነትን ስለ ዝነበሮም’ዮም። ብብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊትን ከይተሰናበዱ ንናጽነት ሃገርን ህዝብን ስለ

ዝተሰለፉ ሓደ መዓልቲ ከም ዝዕወቱ ስለ ዝኣመኑ ተዓዊቶም። ካብ’ዚ እንታይ ትመሃሩ?

እይዋ ንሓደ ዕላማ ክዕወተሉ’የ ኢልካ ብምሉእ ምትእምማን እንተነቒልካ ውዒሉ ሓዲሩ ምዕዋት ዘይተርፍ ምዃኑ’ዩ። ብዝሒ ኣጻዋርን ሰራዊትን ዘይኮነ ጽንዓትን ንጹር ዕላማን’ዩ ዘዐውት! ስለዚ ንስኻትኩም ከኣ ተረከብቲ ሃገር ከም ምዃንኩም መጠን ነዛ ብጽንዓትን ጅግንነትን ኣቦታትኩክክምን ኣያታትኩምን ዝመጸት ናጽነት ክትዕቅቡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ከተቐድሙ ሓደራ! እዚ እተስተማቕሩዎ ዘለኹም ናይ ናጽነት ኣየር፣ ብመሪር ቃልስን መስዋእቲን ዝተረኽበ ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። ሃገርና ምስ’ተን ምዕቡላ ሃገራት ክትስራዕ እንተኾይና ከኣ ንስኻትኩም ቀጥ ኢልኩም ምስ እትመሃሩን ታሪኽኩም ኣጽኒዕኩም ምስ እትስዕቡዎን’ዩ’ሞ ንቑሓት ድኣ ኩኑ’ዞ ደቀይ! የዕብየለይ ኣላህ ይሓግዝኩም!!

ኣዛምዱ1. መስዋእቲ A. ስንቅን ዕጥቅን ኣብ ምምልሳስ

ዘገልግል ዝነበረ እንስሳ።

2. ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ B. ገመል።

3. ዓወት ንሓፋሽ! C. ናቕፋ።

4. ናጽነት ዘምጽአ ልዑል ኒሕ D. ካብ መዝሙር ሰማእታት።

5.ቅሰኑ ሰማእታትና። E. ካብ ሃገራዊ መዝሙር።

6. ደጀን ሰውራ F. ጭርሖ ህዝባዊ ግንባር።

7. ኣርማ መንግስቲ ኤርትራ G. ፍቕሪ ብጻይ።

8. ገመል H. ምእንቲ ህዝቢን ሃገርን በጃ ምሕላፍ። ወይ ህይወትካ ምውፋይ።

ኣብ ከባቢኣ ክነብሩ ተገዲዶም ነበሩ። ናቕፋ በራኽ’ያ። ብበረኽቲ ጎቦታት ከኣ ዝተኸበት’ያ። ስለዝኾነ ከኣ ፍሉይ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዋ። “ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት” ከበሃል ከሎ ንኹሉ ንምቁጽጻር ዘኽእል ቦታ ማለት’ዩ ።

ናቕፋ ካብ’ተን ብተጋደልቲ ሓራ ዝወጻ ቀዳሞት ከተማታት’ያ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንናቕፋ ንምሓዝ ብተደጋጋሚ ዘካየዶ ወራራት ተሓምሽሹ ይምለስ ነበረ። ናቕፋ እታ ሓንሳብ ናጻ ምስ ወጸት፣ ብሳላ ጽንዓትን

ጅግንነትን ተጋደልቲ ብወተሃደራት ጸላኢ ዘይተደፍረት እንኮ ታሪኻዊት ከተማ’ያ።

ኣብ ከርሳ ኣብ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ንዘይምድፋራ ዝተኻየደ ጥምጥማትን ምርብራባትን ብጅንነት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሰማእታት ሓቑፋ ትርከብ። ነዛ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ዓቢ ምዕራፍን ዝኽሪን ዘለዋ ብደጀን ሰውራ እትፍለጥ ናቕፋ ምብጻሕ እቲ ዝበለጸን ቅሳነት ዝፈጥርን ምዃኑ ተገንዚብኩም ነዚ ዕድል’ዚ ክትጥቀሙሉ እንተኽኢልኩም ዕድለኛታት ኢኹም።

ሰናይ ዮናስ